Thursday, April 4, 2013

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣንካሻ ወረዳ ጓጉሳ ቀበሌ ወሃሶ ዝርከቡ ነበርቲ። ካብ ዝተፈቐደ ግዜ ወፃኢን ብበዝሒ ቤተሰቦምን ካርድ መረፃ ክወስዱ ይግበር ከም ዘሎ ተሓቢሩ።።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ። ሕግን መምርሕን መረፃ ካብ ዘፍቅዶ  ወፃኢ። ግዜ መረፃ ኣኺሉ ኣብ ዝተበሃለሉ እዋን። ብቑፅሪ በዚሒ ስድራኦም እናተመዝገቡ መምረፂ ካርድ ንኽወስዱ። ዋና ኣመሓዳሪ ቀበሌ ወሃሶ ዝኾነ ኣይተ ኣለበል ሺመልሽን ኣባል ኮሚቴ መረፃ ዝኾነ ኣይተ ኣላምረውን ብሓባር ነቶም ነበርቲ ኣገዲዶም ክወስዱ ይገብሩ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።።
  እዚ ከምዚ እናሃለወ። ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብትእዛዛ ሰበ ስልጣን ስርዓት ወያነ ካብ መረበቶም ብፈጥኖ ደራሽን ፌዴራል ፖሊስን ተገዲዶም ዝተባረሩ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ዝኾኑ ልዕሊ 70 ዜጋታትና ፂዒና ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና። ብዘጋጠመ ሓደጋ እቶም 51 ሽዑ ንሽዑ ሕይወቶም ከም ዝሓለፈን እቶም ዝተረፉ ድማ ብከቢድ ከም ዝተጎድኡን ካብ ዓይኒ መሰኻክር ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።።