Tuesday, April 9, 2013

ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩማ ደመቅሳ ካብ ውልቀ ነጋዶ ጉቦ ብምቕባል ኣብ ሙስና ጥሒሉ ከም ዝርከብ ተሓቢሩ።።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩማ ደመቅሳ ካብ  ወልቀ ነጋዳይ ኣይተ በላይነህ ክንደያ ጉቦ ምቕባሉ    ንውልቃዊ  ረብሕኡ ይጓየዩ ምህላዉ እኹል መረጋጊፂ እንትኾን። ተቐባሊ ጉቦ ኩማ መዴቅሳ ዘይተኸሰሰ ወሃቢ  ጉቦ ሒብካ ተባሂሉ ኣይተ በላይነህ ተኸሲሱ  ምህላዉ ተፈሊጡ።።
     ኢትዮጵያ ሆቴል ዝተበሃለ መንግስታዊ ትካል ብሕጋዊ ጨረታ መሸጣ ንኣይተ በላይነህ ክንደያ ድሕሪ ምሻጡ። በዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ከማልኦ ዝግባእ ቅጥዒ ኣየማለአን ብምባል ፈሪሱ ከም ብሓዱሽ   ኣብ 1700 ካሬሜትር ቦታ ክስራሕ ትእዛዝ ዝተዋሃበ እንትኾን። ንመሐደሲኡ ድማ 2 ሚልዮን ብር ከቕርቡ ዘገዲድ መምርሒ ከም ዝተዋሃቦም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።።
 ብተመሳሳሊ ኣብ ኣያት ኮንስትራክሽን ሓላፊ ኮይኖም ክሰርሑ ዝፀንሑ ኣይተ ኣያሌው ተሰማ። ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ መንበሪ ገዝኦም ተፈቲሹ ንብረቶም ሙሉእ ብሙሉእ ዝተወረሰ ኮይኑ። ንባዕሎም ድማ ብ16 መጋቢት 2005 ዓ/ም ብ21 ገበናት ተኸሲሶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኖም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።።