Tuesday, April 9, 2013

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎምጎፋ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከም ዘካየዱ ተሓቢሩ።።



እዞም ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጎሞጎፋ ኣብ ዝተፈላልዩ ኣብያተ ፅሕፈት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከም ዘካየዱን  ተምሃሮ’ውን ትምህርቶም ብምቁራፅ ተቓዉምኦም ዝገለፁ እንትኾኑ። ዕላማ  ናይቲ ኣድማ ድማ መሰልና ይተሓሎ፤ ሃይማኖትና ይከበር፤ ብቋንቋና ክንማሃር ዕድላት ይወሃበና ብዝብሉ እዋናዊ ሕቶታት ዝተሰነየ ምዃኑ ተፈሊጡ።።

    እዞም ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ዘካየዱ ሰራሕተኛታት መንግስቲ። ካብ ዉሽጦም ኣርባዕተ ጥርዓኖም ዘቕርቡ ተወከልቲ መሪፆም ናብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝለኣኹ እኳ እንተኾኑ። እቶም ዝተላኣኹ ሽማግለታት ብዕጡቛት ወያነ-ኢህወዴግ ከም ዝተኣስሩ ተሓቢሩ።።

   ብተመሳሳሊ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ባህርዳርን ከባቢኡን ተቓውሞ ከየካይድ ስለ ዝሰግኡ። ኣብ ብርሸለቆ ተመሪቖም ዝወፁ ሓደሽቲ ወተሃደራት ብ27 ኣውቶብሳት ተፃዒኖም ብምእታው ኣብቲ ከባቢ ንሓለዋ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።።