Sunday, April 14, 2013

መረፃ ወያነ መሰል ህዝቢ ዝዓፈነ


ኣብዛ ክውንነት ዓለምና  ከምንዕዘቦ  ቅኑዕን ዲሞክራሲያዊ  ዝኾነ  መረፃ ኣብ ሓንቲ ሃገር  ክካየድ  እንተኾይኑ ብዙሓት  ረቓሒታት   ከማልእ ይግባእ፣ ካብኣቶም ገለ ንምጥቃስ፤ 

ብዝዕባ ምረፁኒ ንህዝቢ ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ኩሎም ወድባት ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ  ማዕረ ዝኾነ  ግዜ ክጥቀሙን ካብን ናብን ናይ ምንቅስቓስን ምጉሳጋስን መስሎም ክሕለወሎም ይግባእ።።
መረፃ ቦርድ ካብ ወገናውነትን ኢድ ኣታውነት መንግስትን ነፃ ኾይኑ ፀግዒ ናይ ዝኾነ ውድብ ከይኮነ ናይ ህዝቢ ድምፂ ዘኽብርን ልዕልነት ሕጊ ዝሕሉን ክኽውን ይግባእ። ጥቕልል ብዝበለ ናይ ህዝቢ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዝሕሉን ዘኽብርን ስልጣን  ናይ ህዝቢ ምዃኑ ኣሚኑ ዝቃለስን  ክኽውን እንተሎ እዩ።።
ብዛዕባ  ቅኑዕ መረፃ  እዚ ካብ በልና ብመራሕቲ ወያነ ዝካየድ ዘሎ መረፃ ኸ እንታይ ይመስል? ናብ ዝብል ምስ እንርኢ ድማ  ምልካዊ ዝኾነ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣይኮነን መሰል ህዝብን ተቓወምቲ ውድባትን ክሕሉ ተቓውቲ ወድባት ተኣኪቦም ንኽመያያጡ ኣዳርሽ  ንኸይዋሃቦምን ንቤት ፅሕፈት ዝኽውን ገዛ ንኸይካረዩን ዝተፈላልዩ መሰናኽላት እናፈጠረ ከዳኸሞም  ፀኒሑን ኣሎን።።
ምኽንያቱ ዕላማ ወያነ ኢሕወዴግ ህዝብን ተቓወምቲ ውድባትን ሓቢሮም ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ዘሎ ናይ ምሕድራ ብልሽውና ከየውግዑን መፍትሒ ከየናድዩን ስለ ዝሰግእን ኣብ ልዕሊኡ ክበፅሕ ዝኽእል ፖለቲካዊ ክሳራ ስለ ዝግንዘብን እዩ።።

መራሕቲ ወያነ መረፃ ነካይድ ኣለና ዝብልዎ ደኣ ንምንታይ ዕላማ እዩ እንተኢልና? እዚ ሙስሉይ ናይ  መደናገሪ  መረፃኦም  ካብ ምዕራባውያን ይኹን ካብ ካልኦት ሃገራት ብሽም መረፃ ዝረኽብዎ ትካቦ ንኸየቋርፆም ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ተኺልና ናይ ህዝቢ ፖለቲካዊ ነፃነት ማለት ናይ ምውዳብ ምፅሓፍ  ሓሳብካ ናይ ምግላፅ ወዘተ ዝፈቅድ ስርዓት ኣብ ምትካል ንረክብ ዝብል ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ  ብምንዛሕ ህዝቢ ዓለም ንምድንጋር ዝጥቀሙሉ ውዲት ምዃኑ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ክዛረብሉ ፀኒሖምን ኣለዉን።።

ብርግፅ ካኣ እቲ ሓቂ ንሱ እዩ፣ ኣባል ተቃወሚ ውድብ ዝኾነ ዜጋ ኣይኮነን መሰሉ ተሓልዩ ናብ መረፃ ክቐርብ ምስ ሕብረተ ሰብ ሓቢሩ ከይነብር ዝተፈላልዩ ደሃላይ ዝኾነ ሽም እናጠመቑ ሓዊ ከይተፅሕርዎ ኣብ መርዓ ይኹን ኣብ ዝኾነ ማሕበራዊ ንጥፈታት ከይሕወስን ካብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ዝመፅእ  ረዲኤት ይኹን ጥቕማ ጥቕሚ ከይረክብ  ብምኽልካል ካብኡ ሓሊፎም ናይ ሓሶት መሰኻኻር ብጥቕሚ እናደለሉ ኣብ ዘይዋዓልዎ ወንጀል እናጠቀኑ ብምእሳር ኢሰብኣዊ ዝኾነ ግፍዕታት እናውረዱ ማእለያ ዘየብሎም ዜጋታትና ንሕልፈት ፈሪደሞም እዮም።።
ነዚ ዓቢ ኣብነት ክኾኑና ዝኽእሉ ብዙሓት እኳ እንተኾኑ ኣብ መረፃ  97 ዓ/ም ድምፅና ተሰሪቑ ንዝበሉ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ዝተፈፀሙ ናይ  ጅምላዊ ማእሰርትን ቅትለትን ከምኡን ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣባላት፣ ውድብ  ዓረናን  ካልኦት ውድባትን ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ታሪኽ ብፀሊም  ነጥቢ እናዘንተዎም ዝነብርን ካብቶም ንውሉድ ወለዶ ብሕመቖም ተለልዮም   በሰላታት ካብ ዝገድፉ ዘለዉ ነጥብታት ካብቶም ብዙሓት ውሑዳት ንምግላፅ ዝካኣል እዩ።
ምኽንያቱ ከምቲ ሸክስፒር ዝበሎ ደቂ ሰባት ዝፈፀምዎም ግፍዕታትን ተንኮላትን ምሰኦም ዘይኮኑ ዝቕበሩ ብኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊ መቓብሮም  እናተኾነኑ ንዘለኣለም  እዮም ዝነብሩ።።

ንምጥቕላል  ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ምሕድራ መራሕቲ ወያነ ቕኑዕ መረፃን ምሕደራን ከምዘይረኸበን ብኣንፃሩ ሕጊ ንጎኒ ገዲፎም ህዝባዊ ተቐባልነት ኣለዎም ዝበልዎም ኣባላትን መራሕቲ ተቓወምትን ከምኡ ‘ውን ልሳን ህዝቢ ዝኾኑ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ንፁሃት ዜጋታትናን ብሓሶት እናወንጀልካ ምእሳር ምስቓይን  መለለይ ተግባር ናይቲ ስርዓት እዩ።።

ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ትሕቲ ወያነ ኮይንካ ብሰለማዊ ቃልስን ብመረፃን ንስርዓት ወያነ ብዲሞክራሲያዊ ዝኾነ ስርዓት ምትካእ ፈፂሙ ዘይከኣልን ንዓርሰ ቅትለት ዝዕድምን ምኻኑ ምስ ኣረጋጋፀ  እምበእር እዩ፣ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴ.ም.ህ.ት/ ኣብ 1993 ዓ/ም ዕጥቃዊ ቃልሲ መስሪቱ ዕጥቁ ኣስጢሙ፤ ምስ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱ ጥምረት ፈጢሩ፤ ገበነኛታት መራሕቲ ስርዓት ወያነ ካብ ስልጣኖም  ንምእላይን ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካልን  ኣብ ቃልሲ  ዝርከብ።።