Sunday, April 14, 2013

ንመረፃ በሊሕ ኩን! መደናገሪ መደረ ወያነ!!


  ሰበስልጣንን ካድረታት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብቲ  በይኖም ዝወዳደረሉ  ዘለዉ ከባብያውን መማልእን ዝሰመይዎ ምስሉይ መረፃ፣ ሎሚ‘ውን ከም ኣመሎም ህዝብን ሃገርን ንምድንጋር ንብዓት ሓርገፅ እናነበዐ ብዑ፣ “ንመረፃ በሊሕ ኩን” እናበሉ ንህዝብና የጭንቕዎ ኣለው፣ 


ህዝብና ግን ውሽጥን  ሚስጢር  ወያነ ከም ከብዲ ኢዱ ኣፀቢቑ ስለ ዝፈልጦ ወያነ ብመወዳድርቱ ተሳዒሩ ስልጣኑ ከረክብ ፍቓደኛ ከም ዘይኮነ ካብ ሕሉፍ መረፃታት ስለ ዘረጋገፀ ኣብዚ መወዳድርቲ ዘይብሉ ንይምሰል ዝካየድ ዘሎ መረፃ ኢዱ ከማራስሕ ኣየፍቅድን፣ ድሌት ህዝቢ ድማ ንወያነ ብካርድ ዝመርፃ ዘይኮነስ፣ ነቲ ኣንፃሩ ዝካየድ ዘሎ ብረታዊ ቃልሲ ደጊፉ ከም ዘሎ ክፈልጡ ይግባእ።።
ብመሰረቱ ኢህወዴግ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ክሳብ ሎሚ መረፃ 1992 1997 2002 እናበለ ስለስተ ስማውያን መረፃታት ኣካይዱ’ዩ፣ ካብዞም መረፃታት እዚኦም ዝቐሰምናዮ ሓደ ዓብዩ ትምህርቲ እንተሃልዩ፣ ወያነ ስልጣኑ ብካርድ መረፃ ኣሕሊፉ ክህብ ከም ዘይኽእል ኢና ተማሂርና።።
ኣብዞም መረፃታት እዚኦም መረፃ ስለ ዝተባህለ ሓቂ መሲልዎ፣ ባህርታት ናይቲ ስርዓት ዘይፈለጠ ህዝብና ወያነ ኣይተድልየናን ብምባል ቃሕትኡ ስለ ዝመረፀ ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ብኣፈሙዝ ብረት ኣቕኒዖም ጠያይቲ ኣዝኒበምሉ፣ ህይወት ኣማኢት ንፁሃት ወገናትና ድማ ጠበቓ ስኢኑ ተቐዚፉ ተሪፉ።።
በቲ ካልእ ወገን ድማ ንቐፃሊ ጉዕዞና‘ውን ብዓቕሚ ክወዳደሩና ይኽእሉ እዮም፣ ብህዝቢ ተቐባልነት ኣለዎም ዝበሎም መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ተኣሲሮም፤ ተቐጥቂጦም፤ ሃገር ለቒቖም ክስደዱ፤ ርእሶም ደፊኦም ክነብሩን ንወያነ ካብ ምቅዋም ኢዶም ክስሕቡን ተገይሩ’ዩ።።
ብፍላይ ኣብ 1997 ዓ/ም ጎሊሑ ዝተረአየ እዚ ተግባር ውድብና ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ኣቐዲሙ ኢህወዴግ ብኣፈሙዝ ብረት’ምበር ብካርድ መረፃ ስለጣኑ ኣሕሊፉ ክህብ ከም ዘይኽእል ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ግንቦትን 1997 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ 1ይ ታሪኻዊ ውድባዊ ጉባኤ ኣስሚርሉ ሓሊፉ’ዩ።።
ሕዚ‘ውን እንተኾነ እቲ ሓቂ ንሱ እዩ ኣብዚ ካብ 6 ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ከባብያዊ መረፃ መነመን እዮም ዝወድደሩ ዘለዉ እንተልና መራሕቲ ወያነ ባዕሎም ንባዕሎም’ምበር ካልእ ኣንፃር ወያነ  ተዋዳዲሩ ዝስዕር   ተቓዋሚ ውድብ የለን ምኽንያቱ ናይቲ ድራማ ደራስን ዳርክተር ባዕሉ ስለ ዝኾነ።።
ህዝብና ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ  ሎሚ እውን  ከምቶም ሕሉፋት መረፃታት  ምልክት ንህቢ ጥራይ ስለ ዝቐረበሉ ካብ ንህቢ ወፃኢ ክንመርፅ ንደሊ ሰባት ከ? ስለምንታይ ካልእ መማረፂ ዘይቐርበልና ብዘይ ወያነ ካልእ ውድብ የለን ድዩ? ብምባል ብግልፂ ተቓውምኡ ከስምዕ ጀሚሩ ኣሎ።።
ኣብዚ ፈታውን ፀላእን ክፈልጦ ዝግባእ ሓደ ሓቂ ኣሎ  ኢህወዴግ ንመረፃ በሊሕ ኩን እናበለ ክሰብኽ ካብ ዝጅምር ኣዋርሕ ኮይንዎ ኣሎ፣ ንመን’ዩ ክሰብኽ ዝደሊ ዘሎ ግን ኣይፈለጠን፣ ህዝብና ዘኽፋአሉን ዘፀብቐሉን ዝጠቕሞን ዘይጠቕሞን ኣፀቢቑ ዝፈልጥ ወረጃ ህዝቢ ምዃኑ ዝዘንገዖ ይመስል።።
ስለ ዝኾነ ካኣ ኣብቶም ዝሓለፉ መረፃታት ብስብከትን ፕሮፖጋንዳን ወያነ ከይተደናገረ ይጠቕሙኒ እዮም ዝበሎ ፖለቲካዊ ውድባት  ብምምራፅ ንወያነ ኣይተድልየናን ዝብል ተሪር መልእኽቲ ኣማሓላሊፉ’ዩ፣ ስለዚ ወያነ ህዝብና በሊሕ ናይ ምዃን ፀገም ከም ዘይብሉ ክፈልጥ ይግባእ።።
ንምጥቕላል  ስርዓት ወያነ ኣብዚ በይኑ ጎዩ ባዕሉ ዝቕድመሉ መረፃ ንባዕሉ መናውሒ ስልጣኑ ካብ ምኾን ሓሊፉ ዘምፀኦለውጢ የለን፣