Sunday, April 7, 2013

ኣብ ከተማ ባህርዳር ፖሊስን ቤት መዘጋጃን ተሓባቢሮም ዘይሕጋውያን ገዛውቲ ብዝብል ምኽኒት ከፍርሱ ኣብ ዝጀመርሉ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ተቓውመኦም ከም ዝገለፁ ተሓቢሩ፣



ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ከባቢ ‘’ኦሮሚያ ባንክ’’ ዝርከብ ኣባይቲ ፖሊስን ቤት መዘጋጃን ተሓባቢሮም ብደዞር ተሓጊዞም ከፍርሱ ኣብ ዝጀመርሉ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ገዛውትና ኣይነፈርስን ብምባል ነቶም ከፍርሱ ዝመፁ ፖላዊስ ደብዲቦም ከም ዝመለስዎምን። ብሰንኪ እዚ ከዓ መለዓዓልቲ ብዝብል ንኔ ሑሴንን ሓጂ ይብሩን ዝበሃሉ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ካብ’ቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
  ነቶም ኣባላት ፖሊስን ቤት መዘጋጃን ዝሓበሮም ‘’በዛ’’ ዝተባሃለ ዕሱብ ኮይኑ። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ፀረ-ህዝቢ ተግባር ዝተዋፈረ ሃፍታም በዓል ዋና ባህርዳር ሆቴል ኮይኑ። ከምኡ መግበርኡ ድማ ንሰበስልጣን እታ ከተማ ብላዕ ሂቡ እቲ መሬት ንባዕሉ ክውንኖ ካብ ክቱር ግብትና ዝነቐለ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ  ወሲኹ ሓቢሩ፣ 
   እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ዝሐለፈ 25 መጋቢት 2005 ዓ/ም  ካብ ክልል ዝመፀ ኣቶ ኣስማማው ኣብ ከተማ ባህርዳር ንነጋዶ ኣኪብዎም ዝወዓለ ኮይኑ። ምኽንያት እቲ መአከቢኦም ድማ ግብርን ካልኦት መዋጮታትን ክትከፍሉ ኣለኩም ዝብል እኳ እንተነበረ። እቶም ነጋዶ ግና ኣይንኸፍልን እዚ መንግስቲ’ዚ ንዓና ኣይውክለናን እኳ ድኣ ካብ ደርግ ዝባኣሰ ስርዓት እዩ ኮይኑና ዘሎ ብምባል ኣማሪሮም ብምዝራብ ነቲ ኣኼባ ራርሕሞ ከም ዝወፁ ተፈሊጡ፣
  ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ትግራይ፤ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ካብ 28 መጋቢት 2005 ዓ/ም ጀሚሩ ‘’ባዛር’’ ብዝብል ስያመ ኣብ ከተማ ሽረ ዝተኸፈተ ምርኢት። ቅድሚ ሕዚ ብሓምሳን ብሚኢትን ብር ዝግዛእ ዝነበረ ንብረት። ሎሚ ብ300 ብርን ልዕሊኡን ይሽይየጥ ከም ዘሎን ተገልጋሊ ህዝቢ ድማ ልዕሊ ዓቕሙ ኮይንዎ መረረቱ ብምግላፅ ናብቲ ምርኢት ዝኣቱ ሰብ’ውን ካብ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ኣዐርዩ ከም ዝጎደለ  ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ኣገንዚቡ፣