Tuesday, April 9, 2013

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ከፋ ወረዳ ጫና ኣባላት ኣመራርሓ ተቓዋሚ ፓርቲ ቅንጅት ብዛዕባ መረፃ ጎስጓስ ንምክያድ ኣብ ዘካይድዎ ንጥፈታት ብካድረታት እቲ ስርዓት ዕንቅፋት የጋጥሞም ከም ዘሎ ተገሊፁ።።



ኣባላት ኣመራርሓ ተቓዋሚ ዉድብ ቅንጅት ብዛዕባ ኣብ ዝመፅእ መዓልትታት  ዝካየድ ናይ ከተማን ከባብያዉን ምምሕዳር መረፃ ኣመልኪቶም ጎስጓስ ንምክያድ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብመኪና ናብ ክልል ደቡብ ዞባ ከፋ ወረዳ ጫና ብ27 መጋቢት 2005 ዓ.ም ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነብሩ እዋን። ሓለፍቲ እቲ ዞባ ብዘመሓላለፍዎ መምርሒ መሰረት ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት እቲ ስርዓት ዝኾኑ መንእሰያት ተኣኪቦም ብእምኒ ክድብድብዎም ዝተገብረ እንትኾን። ብፍላይ ከዓ ካብ’ቶም ዝተወቕዑ ሓደ ኣቶ ጣቃ ገብረሚካኤል ገብረ ዝተበሃለ ብኸቢድ ተጎዲኡ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።።
ብተወሳኺ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ኣባላት ቅንጅት ኣግራባት ትጭፍጭፉ ኣለኹም ብዝብል ምኽንያት። ዋላ ሓደ ጭቡጥ መርትዖ ይኹን ናይ ዓይኒ ምስክርነት ብዘይብሉ ፖሊስ እቲ ስርዓት ይኣስሮምን ካብ ዕለታዊ ስርሖም የተዓናቕፎምን ኣሎ ዝበለ እቲ ሓበሬታ።-
ብፍላይ ከዓ ኣብ ዞባ ከፋ ንዉድብ ቅንጅት ወኪሎም ኣብቲ ዝመፅእ  መረፃ ዝወዳደሩ።-
1.  ኣቶ ኣስራት ታየ
2.  ኣቶ ደመቀ ጎቦና ጎሹ
3.  ኣቶ ኣቤል ኣሰፋ ይማም
4.  ወ/ሮ መሰለች ጓንጉል
5.  ኣቶ ወለማርያም ላኔ
እንትኾኑ። እዞም ሰባት ሕደ ሕድ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ጥቡቕ ክትትል ይግበረሎም ዘሎ ኮይኑ። ኣብ ልዕልኦም ማእለያ ዘይብሉ በደል ይወርዶም ከም ዘሎ ምስ ኣብረሀ። ብካልእ ወገን ኣብቲ ዞባ ንኢህወዴግ ወኪሎም ንዝወዳደሩ። 1. ኣቶ መስለ ከበደ 2.ወ/ሮ ኣልማዝ ወንዱማገኝ 3. ኣቶ ገብረሚካኤል ወለደጀርግስ 4. ኣቶ ተመስገን ተካን 5. ወ/ሮ ኣምባይነሽ ወለደሚካኤልን ምዃኖም እናፈለጥና። ነዝኦም ዘይመረፀ ሰብ ወይሊኡ እናበሉ ካድረታት ስርዓት ወያነ ገዛ ገዛ እናዘሩ ስድራቤታት የፈራርሑ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።።