Tuesday, April 9, 2013

ኣብ ከተማ መቐለ ኣባላት ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ዉድብ ዓረና ብምዃኖም ጥራሕ ዝተፈላለየ ምእሳርን ምንግልታዕን ይወርዶም ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣



እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ። ኣይተ ይኩኖ ገሰሰ ዝተበሃለ ትዉልዲ ዓዱ ቆላ ተምቤን ነባርነቱ ከተማ መቐለ ከባብያዊ ምምሕዳር ዓይደር ዝኾነ ነባር ተጋዳላይ። ኣብዚ ሕዚ ግዜ ኣባል ዉድብ ዓረና ብምዃኑ ጥራይ ብኣባላት ፖሊስን ካድረታት እቲ ስርዓትን መዓልታዊ ይእሰር ይፍታሕ  ምህላዉ ተፈሊጡ፣
   ኣስዒቡ እቲ ንግዳይ መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ። እቲ ልዕል ኢሉ ሽሙ ዝተጠቐሰ ዜጋ። ብተደጋጋሚ ምሸት ምሸት መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ኣብ ገዝኡ እናመፁ ህይወትካ ትደልያ ዲኻ? ትደልያ እንተኾይንካ ዓሪፍካ ተቐመጥ። ንሕና ናይ 50 ዓመት ሰረት እናሰረትና ንስኻ ምስቲ ትኣምነሉ ዉድብካ ተፀጊዕኻ ኣብ ዉሽጢ 5 ዓመት ስልጣን ክትረክብ ትገብሮ ዘለኻ ምንቅስቓስ ኣቋርፅ እናበሉ ከም ዘፈራርሕዎን ከም ዉፅኢቱ ከዓ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ካብ ዕለት 03-23 መጋቢት 2005 ዓ.ም ኣብ ፖሊስ ጣብያ ኣሲረሞ ድሕሪ ምፅናሕ ቤት ፍርዲ ብዘይፈልጦ ፈቲሖም ከም ዘፋነዉዎ የረድእ፣