Thursday, April 4, 2013

ኣብ ልዕሊ ብሄር ኣምሓራ ዝፍፀም ዘሎ ዘርኢ ናይ ምንፅፃል ስጉምቲ የሐትት እዩ ክብሉ ዶ/ር ያቆብ ገብረሚኪኤል ምስ ማዕኸናት ሚድያ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-ማሕቲት ገሊፆም፣



ዶ/ር ያቆብ ኣብ ቃለ-መሕትቶም። ብትእዛዝ መራሕቲ ወያነ-ኢህወዴግ ዝፍፀም ዘሎ ዘርኢ ናይ ምንፅፃል ተግባር። ብሕጊ ዓለም ይኹን ብኢትዮጵያ ዘሕትት ኣብ ርእሲ ምዃኑ። ኣብ ክልል ደቡብ ወረዳ ጉራ-ፈርዳ ከምኡ’ውን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝን ካልኦትን ዝፍፀም ዘሎ ዘርኢ ናይ ምንፅፃል ስጉምቲ ብጭቡጥ ብመርትዖ ዝተደገፈ ብምዃኑ ብሕጊ ዘሕቲት እዩ ክብሉ ኣረዲኦም፣
    ብተወሳኺ ዶ/ር ያቆብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወፃኢ ዝርከብ ኢትዮጵያዊ ብሓባር ነቲ ዝፍፀም ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ብምኹናን ጥርዓኑ ናብ ሕቡራት መንግስታት ክፍሊ ፀጥታ ከቕርብ ከም ዝግባእ ብኣፅንኦት ኣተሓሳሲቦም፣
  ከም ዝፍለጥ ቀዳማይ ሚኒስተር ወያነ ዝነበረ መለስ ዜናዊ ብህይወት እናሃለዉ በዚ ጉዳይ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክነብሩ ዝፀንሑ ተወለድቲ ኣምሓራ እነባርሮም ዘለና። ኣግራብ  ስለ ዘብርሱ እዮም ክብሉ ባጫ ዝተሓወሶ መደረ ምዝራቡ ይዝከር፣