Wednesday, April 3, 2013

ታሽዓይ ውድባዊ ጉባኤ ኢህወዴግ “ነበረያ ነበረ” ዝመልኦ እዩ ኔሩ ክብሉ ሓደ ናይ ቅድም ኣባል ፓርላማ ገሊፆም፣



ኣካያዲ ስራሕ ዉድብ መድረኽን ምክትል ኣቦ ወንበር ናይ ኦሮሞ ፌዴራሊስት ኮንግረንስን ዝኾኑ አቶ ገብሩ ገብረማርያም ንሚድያ ከም ዝገለፅዎ። ኢህወዴግ ኣብ ታሽዓይ ጉባኤኡ ዘሕለፎም ውሳነታት “ተረት ተረት” ማለት ነበረያ ነበረ ምዃኖም ምስ ኣረዲኡ። ኣስዕቦም “ንሕና ትማሊ ናይ ኢህወዴግ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ብግዕዝይና ዝተጨማለቑን ብሚድያታት ዝተዓብለለ ህንፀት ዴሞክራሲ ዝቐትለ ምዃኑንን” ክንነግሮም ድሕሪ ምፅናሕና። ንሳቶም ሎሚ ተመሊሶም ይነግሩና ኣለዉ ዝበሉ አቶ ገብሩ። ኣስዕቦም ባዕልቶም ምትኽኻእ ይብሉ’ሞ ተመሊሶም ብድሕሪ በሪ ይኣትው ኣለዉ፣ ንሕና ምትኽኻእ እንብሎ ሓደ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ብካልእ ስርዓት እንትትካእ እዩ። እዚ ንምግባር ድማ ኢህወዴግ ድፍረት ስለ ዘይብሉ ዉልቀ ሰባት ብዉልቀ ሰባት ምትኽኻእ እናበለ ኣብ ልዕሊ ህዝብና እናቐለደ ምዃኑ ኣብሪሆም።
   ህዝቢ ኢትዮጵያ መነባብሮ ኣስካሕኺሕዎ ዝገብሮ ሲኢኑ፣ ሃገርና ኣብ መስቀለኛ መንገዲ ከም እትርከብ ምስ ገለፁ። ኢህወዴግ ንተቓወምቲ ዉድባት ሓቢርና ንስራሕ ብምባል ዘቕረቦ ፃዊዒት ግብራዊ ዘይብሉን ካብ ልቢ ዘይነቐለን ናይ ፖለቲካ ሸቐጥ ምዃኑ ኣገንዚቦም፣
 ኣብ መወዳእታ አቶ ገብሩ። ኣብ ታሽዓይ ጉባኤ ኢህወዴግ ዝተራኣየ ተግባራት እቲ ግንባር ናብ ናይ ቀደም ናይ ኮሚኒስት ርእዮተ አለም እናተመለሰ ምዃኑ  ድሕሪ ምግላፅ፣ ኢህወዴግ ናይ ኢትዮጵያ ፀገም ክፈትሕ አይኽእልን ክብሉ ብኣፅንኦት  ገሊፆም፣