Wednesday, April 3, 2013

ፀገማት ህዝቢ ክፈትሕ ዘይከኣለ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ቤተ መንግስቲ ክህንፅ ምድላዋት ይገብር ከም ዘሎ ተገሊፁ፣



ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ኢህወዴግ ስድስት ኪሎ ኣብ ዝርከብ መእከቢ ማእኸል ቀፅሪ ዉሽጢ ሓዱሽ ቤተ መንግስቲ ክሃንፅ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ወሃብቲ ሓበሬታ። እቲ መእከቢ ኣዳራሽ ክምረፀሉ ዝኸኣለ ከዓ ካብ ማእኸል ከተማ ውፅእ ዝበለ ብምዃኑን። ነቲ ካብ ህዝቢ ክስዕብ ዝኽእል ናዕቢ ዝወለዶ ስጉምቲ ንምክልኻል እቲ ዙሪያ ንድሕንነት ሰለ ዝጥዕም። መንግስቲ ስርዓት ወያነ ካብ ነባር ሚኒሊክ ቤተ መንግስቲ ወፂኡ። ሓዱሽ ናይ ባዕሉ ቤተ መንግስቲ ሰሪሑ ካብ ህዝቢ ብምርሓቕ ዕድመ ስልጣኑ ከናዉሕ ዝገብሮ ዘሎ ላዕሊ ታሕቲ ምዃኑ ኣገንዚቦም፣
    ኣብቲ ሓዱሽ ቤተ መንግስቲ ክስራሓሉ ዝበሃል ዘሎ ከባቢ ብርክት  ዝበሉ መንበሪ ድኻታት ኣባይትን ትካላትን ኣብ’ዚ ቀረባ ብሽም ምስፍሕፋሕ  ልምዓት ዝተለዓሉ እንትኾኑ። እቶም ኣብ ምጅማር ዝነበሩ ህንፃታት ድማ ከይሰርሑ ተኣጊዶም ከም ዘለው ካብቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
   ቅድም እንትብል ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ አዜብ መስፍን ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ ሚኒሊክ ቤተመንግስቲ ፍሉይ መንበሪ ገዛ ብብርክት ዝበለ ገንዘብ ኣብ ምስራሕ ከም ዝነበረት ይፍለጥ፣