Friday, May 3, 2013

ካብቲ ዝተኻየደ ምስሉይ መረፃ ዘይምስታፎም ትኽክለኛ ስጉምቲ ከም ዝነበረ ኮሚቴ ናይ’ቶም ዓርሶም ካብ መረፃ ዘግለሉ 33 ዉድባት መርሕነት ኮሚቴ ኣፍሊጡ፣



ሎሚ ዓመት ዝተኻየደ ናይ ከባብያዉን ከተማን ቤት ምኽሪ መረፃ ዘይምስታፎም ትኽክለኛ ዉሳነ ምዃኑ።ብዝተኻየደ ገምጋም አረጋጊፅና” ክብሉ ናይ’ቶም ዘይተሳተፉ 33 ተቓወምቲ ዉድባት ናይ ዘቖሙ ኮሚቴ ኣቦ ወንበር አቶ አስራት ጣሴ አፍሊጦም፣

  እቶም ኣቦ ወንበር ንቪኦኤ ኣስዒቦም እንትገልፁ። ናይ’ቶም ዉድባት ናይ ሓባር መርገፂ ከም ዝቕፅልን። ኣብ 2007 ኣብ ዝካየድ ሃገር ለኸ መረፃ ብዝበለፀ ተጠናኺሮም ብናይ ሓባር ምልክት ንምውድዳር ከም ዝተሓሰበ አብሪሆም፣

 
እንተ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝተኻየደ ብሽም ሰፍቲ ኔትን ተዘይ መሪፅካ ኢትዮጵያዊ ኣይኮንካን ብዝብል ኣጉል ምኽንትን ፈኸራን ሓዊስካ ዝተገብረ መረፃ። መረፃ ዘይኮነስ በዚን ወዲ ከምዝይን ተሓዊሱ ዝተገብረ ከም ዝኾነ የረድኡ፣
ናይ 33ትኦም ተቓወምቲ ዉድባት ግዝያዊ ኮሚቴ ኣብ ዘዉፅኦ መግለፂ ከም ዘፍለጦ። ሃገርና ካብ ዝኣተወቶ ፈተናን ህዝብና ካብ ዝረኽቦ ዘሎ ስቓይ ክነላቕቖ ንኽእል ካብ ዘሓዘና ራዕዲ ተላቕቕና ብሓድነት ጠጠዉ ኢልና ነቲ ክወድቕ መዓልቱ ዝኣኸለ ስርዓት ናብቲ ዝምነዮ መቓብር ንምስናይ ብፅንዓት ምቅላስ ጥራሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣
    ኣብ መወዳእታ 33ትኦም ተቓወምቲ ዉድባት ኣብ ጎኒ ህዝቦም ጠጠዉ ኢሎም ዘካይድዎ ቃልሲ ኣብ ዉሽጢ ኣብ ወፃኢን ዝርከቡ ኢትዮጵያዉያን ገንዘቦም፤ ዓቕሞምን ግዜኦምን ኣተሓባብሮም ኣብ ጎኖም ጠጠዉ ንኽብሉ ፃዊዔቶም ኣቕሪቦም፣