Friday, May 3, 2013

ናይ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ነፃነት ካብ ዓሰርተ መልክዒ ሰደቓታት ብሽድሽተ ብምቕናስ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብልዕሊ ፍርቂ ከም ዝወረደ ተሓቢሩ፣



ነቲ መፅናዕቲ ዘካየደ ኤርቲስ ፋዉንዴሽን ዝተበሃለ ናይቲ ፖሊሲ ኣፅናዒ ትካል ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘዉፅኦ ፀብፃብ ሪፖርት። ኣጠቓላሊ ኢኮኖምያዊ ነፃነት ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ2.6 ሚኢታዊ ከም ዝወረደ ኣመልኪቱ፣

እቶም ኢኮኖምያዊ መለክዒ ሰንጠረዣት። ናይ ንግዲ፤ ናይ በዓል ሞያ፤ ናይ ገንዘብ፤ ወዘተ ዝኣምሰሉ ዓሰርተ ቁልፊ መለክዒ ነጥብታት ተቐሚጡ ብክኢላታት እቲ ዓዉዲ ዝፅናዕ እንትኾን። በዚ መሰረት ከዓ ኢኮኖምያዊ ነፃነት ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ኮይኑ ከም ዝተረኸበ እቲ መፅናዕቲ ዘካየደ ትካል ኣፍሊጡ፣

  እቲ ብኤርቲስ ፋዉንዴሽን ኢፋ ኮይኑ ዘሎ ዉፅኢት መፅናዕታዊ ፀብፃብ። ኢትዮጵያ ኢኮኖምያዊ ነፃነት ከሊአን ብኣንፃሩ ኣብ ኢኮኖምያዊ ጭቆና ኣድሂበን ኣብ ምስራሕ ካብ ዝርከባ ዉሑዳት ሃገራት ኢሉ ኣብ ዘዉፅኦ ምደባ ኣስማት ዉሽጢ ኣካቲትዋ ይርከብ፣

   ኣብ መወዳእታ መፅናዕታዊ ፀብፃብ እቲ ትካል። ኢትዮጵያ ኣብ መብዛሕትኦም ናይ ኢኮኖሚ ነፃነት መለክዕታት ብጣዕሚ ድኹም ዉፅኢት ከም ዝረኸበ ምስ ኣመልከተ። ኣብ ገለ ገለ ዝሕሸ ኣታዊ ከም ዝተረኣየ ዘመልክት እንተሃሊዩ’ውን። ዝበዝሐ ኣታዊ ኣብ ረብሓ ልምዓት ሃገርን ኣብዝሓ ህዝብን ዘይኮነ ዝዉዕልስ። ናይቲ ዉፅኢት ኣታዊ ተቀምቲ ዉሑዳት ሰበ ስልጣንን መሻርኽቶምን ከም ዝኾኑ ኣገንዚቡ፣