Monday, January 11, 2016

ንገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብምቅዋም ናብ ጎረቤት ሃገር ኬንያ ዝኸዱ ኢትዮጵያውያን ወገናትና፣ መንግስቲ ኬንያ ሒዙ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ የረክቦም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘረደኦ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መላእ ክልል ኦሮምያ ተወሊዑ ዘሎ ተቓውሞን መዓልታዊ ግጭትን ስዒቡ ብገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ሂወት ህዝቢ ዝበፅሕ ዘሎ ናይ ምቕታልን ምእሳርን ስጉምቲ ሂወቶም ንምውሓስ፣ ናብ ጎረቤት ሃገር ኬንያ ኣብ ዝኣትዉሉ፣ መንግስቲ ኬንያ ተቐቢሉ ብኣስገግዳድ እናሓዘ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ የረክቦም ምህላው እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
በዚ መሰረት ድማ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስታት 25 ኢትዮጵያውያን  ብዕለት 22ን ብ23 ታሕሳስ 2008 ዓም ካብ ኬንያ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣንፈት ሞያለ ተመሓላሊፎም ተዋሂቦም  ክብሉ ማሕበረሰብ ተወለድቲ ኦሮሞ  ካብ ናይሮቢ ዝገለፁ እንትኾኑ፣ ብጀካ እዚኣም 41 ዝኾኑ ዜጋታት ድማ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ኬንያ ኣትዮም ስለ  ዝርከቡ፣  መንግስቲ ኬንያ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ከይህቦም ዘተሓሰበ ጉዳይ እዩ ኮይኑ ምህላዉ ማሕበረሰብ ተወለድቲ ኦሮሞ ወሲኾም ገሊፆም።