Friday, May 3, 2013

ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ፌዴራል ሕጋዉነት ብዘይብሉ ብግዕዝይና ጠልቂዮም ብገንዘብ ህዝቢ ይላገፁ ከም ዘለዉ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ዝለሓዀ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



እቲ ካብ ላዕለዋይ  ፌዴራል ቤት ፅሕፈት ዝተረኸበ ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ። ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ብኣማኢት ሚልዮን ዝቑፀር ገንዘብ ህዝብን ሃገርን  ብወልቀ ሓለፍቲ ይጠፋፋእ ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ። 1.4 ቢልዮን ብር ዘይተወራረደ  ሒሳብ ከም ዘሎን። ከምኡ’ውን ኣብ 30 ቤት ፅሕፈታት 353.6 ሚልዮን ብር  ደምቢን ሕግን ብዘይተኸተለ ዕደጋ ምፍፃሙን። ኣብ ርኣሲ እዙይ ድማ  ኣብ 9ተ ቤት ፅሕፈታት  ድማ 3.5 ቢልዮን ብር ብዘይጋዊ  ሰነድ ወፃኢ  ከም ኾነ  ገሊፁ፣ 
    ናይቲ ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲትር ኣይተ ገመቹ ዱቢሶ ወሲኾም። 58 ገፅ ዝሓዝይ 116 ናይ ፈደራል ቤት ፅሕፈታትን  ናይ 283   ናይ ወረዳን ከተማ ምምሕዳርን ኣመልኪቶም ኣብ ዘውፅእዎ ዝርዝር  ሕሳብሓበሪታ ድማ  ናይ   ሓደ ቢልዮን ጥረ ገንዘብ ዘይተወራርረደን 3 ቢልዮን ብር ድማ  ሓቅነቱ ክረጋገፅ  ዘይተኽኣለ ሕሳብ ከም ዘሎን  ድማ ገሊፆም፣
 ከምዝፍለጥ  መራሕቲ ወያነ  ዝተፈላልዩ ምኽኒት እናፈጠሩ ካብ ኣፍ ድኻ ዝኾነ ህዝቢ እትዮጵያ እናመንጠሉ ዝእከብዎ ገንዘብ   ኣብ ልምዓት ሃገር ዘይኮነስ ኣብ  ውልቃዊ መነባብሮኦምን ዝተርፈ ድማ ናብ ናይ ወፃኢ ባንክታት እናሻገሩ ይኽዝንዎ ምህላዎም ናይ ቁጠባ  ሙሁራት  ክገልፁ ምፅናሖም ይዝከር፣