Friday, May 3, 2013

ነበርቲ ከተማ መቐለ ብስእነት ዝስተ ፅሩይ ማይ ኣብ ዝኸፈአ ፀገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ ብምረት ገሊፆም፣



እቶም ነበርቲ ከም ዝገለፅዎ ብፍላይ ኣብ ቅነ በዓላት መስመር ማይ ጠቕሊሉ እናጠፍአ መላእ ህዝቢ እታ ከተማ ብስእነት ፅሩይ ማይ ካብ ዝሳቐ ዓመታት ኣቑፂሩ ዝርከብ ኮይኑ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከዓ ብዝበኣሰ ማይ መሰመር ካብ ዝቛርፅ ሰሙናት ኣሕሊፉ ነባራይ ሕብረትሰብ ፍታሕ ስለ ዝሰኣነ የማርርከምዘሎ ተሓቢሩ፣
ፀገም ማይ ከተማ መቐለ ነዊሕ ግዝያት እኳ እንተገበረ። ብሎሚ ፅባሕ ብዘይፍታሕ ይቕፅል ብምህላዉ። እቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጠቕሊሉ ምጥፋእ መስመር ማይ ነቲ ካልእ ፀገም መነባብሮ ኣጋዲድዎ። ነባራይ ህዝቢ ንምግቢ መስርሒ ይኹን ንጎሮሮ ፅሩይ ዝስተ ማይ ተሳኢኑ ከም ዘሎ። ባኒ ንምግዛእ ዝላኣኹ ቆልዑ ‘ውን እንዳ ባኒታት ሰኣን ማይ ክሰርሓ ስለ ዘይካኣላ ስራሕተን ዓፅየን ስለ ዝርከባ ተማሃሮ ህፃውንቲ ቆልዑ ንክማሃሩ ናይ ባዕሉ ምትእጉጓል ይፈጥር ከም ዘሎ ኣረዲኦም፣
እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝረአ ተደጋጋሚ ፀገም ማይ ብህዝቢ ዝቐረበ መረረ ኣካላት መንግስቲ ዘይቡቕዕ ምኽንያታት እናፈጠሩ። ማለት “መስመር ማይ ብዘይፍለጡ ሰባት ተሰይሩ፤ መብራህቲ ጠፊኣትና…” ወዘተ ዝብል ፍሹል መልሲ ክህብሉ ዝፀንሑ። ሓላፊ ኣጋልግሎት ማይ ከተማ መቐለ ኣብዚ ሰሙን ንሚድያታት “ንፀገም ማይ ከተማ መቐለ ካብ ግዝያዊ ሓሊፉ ዘላቒ ፍታሕ ንምምፃእ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ እዩ” ክብል  ዝሃቦ ቃል። ነቲ ኣበሃህላ ነባሪ ህዝቢ ዘራጉድ ኮይኑ። ነቲ ጉዳይ ፍታሕ ከይግበሮ በቶም መራሕቲ ይተሓላልኽ ከም ዘሎ እቶም ግዳያት ብምረት ይገልፁ፣
ኣስዒቦም እቶም ወሃብቲ ሓበሬታ። ቅድም ኢሉ ዝቐርብ ዝነበረ ዝተቖራረፀ ማይ ብፓምፕ ስለ ዝነበረ። መብራህቲ ኣብ’ታ ከተማ ብምጥፍኡ። እተን ዝርካበን ማይ ነባራይ ክከፋፈለን ስለ ዘይከኣለ። እቲ ፀገም ምስ ምእታዉ ባዓል ትንሳኤ ተኣሳሲሩ ክጋደድ ኪኢሉ ኣሎ ምስ በሉ። ነቲ ብህዝቢ ዝቐርብ ጉድለት ምሕዳራ ኣሎ ዝብል ቅኑዕ ሪኢቶ ህዝቢ። እቶም ሓላፊ ኣገልግሎት ማይ ከተማ መቐለ ዘጠናኽር ሓሳብ ከም ዝሃብሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፣
ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ከተማ ሳምረ ዝነብር ህዝቢ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ብማይ ተፀጊሙ እኳ እንተፀንሐ። ኣብዚ ግዜ ብስእነት ማይ ኣብ ናይ ህይወት ሕቶ ወዲቑ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ፣
 እቶም ነበርቲ ንማዕኸናት ከም ዝገለፅዎ። ፀገም ማይ ከተማ ሳምረ ብሎሚ ፅባሕ ይፍታሕ እናተባህለ ህዝቢ ብዓቕሊ ክፅበ ዝፀነሐ እንትኾን። ይኹን እምበር ፀገም ህዝቢ ዘይዕላጆም ኣመሓደርቲ ነባሪ ሕብረተሰብ ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ ንምእላሽ ዓሰርተታት ኪሎ ሜትር እናተጓዓዘ ዘጥፍኦ ዘሎ ግዜን ጉልበትን ከይኣክል ኣብኡ ከይዱ እዉን እኹል እኩል ማይ ስለ ዘርከብ ርጋ ሒዙ ነንባዕሉ ህዝቢ ክናቖት ዝዉዕ ዘሎ ኮይኑ። ብፍላይ ከዓ ጥዕና ጣብያ እታ ከተማ ብማይ ወለድ ሕማማት ብዝተለኸፉ ወገናት ኣዕልቕሊቑ ስለ ዝርከብ። ሓኻይም ንዉሽጣዊ መሳላጢ ስራሕቶምን ንግዳማዊ ፅሬት ዝዉዕል ማይ ስኢኖም ንባዕሎም ኣብ ፀገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ ሓላፊ እታ ጥዕና ጣብያ ኣምሪሩ ተዛሪቡ፣