Friday, May 3, 2013

“ሰሜን ተራራ” ብዝብል ዝፍለጥ ብሄራዊ ፓርክ ብተላባዒ ባርዕ ሓዊ ይቃፀል ብምህላዉ። ብርክት ዝበሉ መተካእታ ዘይብሎም እንሳስትን እፅዋትን ንሓደጋ ተቓሊዖም ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ፣



ኣብ ከባቢ ደባርቕ ዝርከቡ ነበርቲ ከም ዝሓበርዎ። እቲ መቋረፂ ዘይብሉ ባርዕ ሓዊ ካብ ዝብገስ ልዕሊ ሰለስተ መዓልቲታት ዘቑፀረ እንትኾን። ነበርቲ እቲ ከባቢ ብናይ ባዕሎም ተበግሶ ተሓባቢሮም ንምጥፋእ ዘካየድዎ ፃዕሪ ልዕሊ ዓቕሞም ኮይኑ ነቲ ባርዕ ሓዊ ከጥፍእዎ ብዘይምኽኣሎም። መተካእታ ዘይብሎም ብርቂን ኣደነቕትን ዝኾኑ ኣዕዋፍ፤ እንስሳትን እፅዋትን ዝሓቖፈ ሰሜን ተራራ ብሄራዊ ፓርክ በቲ ክልላትን ፌዴራል መንግስትን ህፁፅ ሓገዝ ምክልኻል ባርዕ ሓዊ ክግብረሎም ብዘይምኽኣሉ ንዝኸፈአ ሓደጋ ተቓሊዑ ከም ዝርከቡ ኣረዲኦም፣
 ብፍላይ ብኣንፈት “ሳንቃ በር” እናተበሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ኣካል እቲ ፓርክ ተላዒሉ ዘሎ ባርዕ ሓዊ። ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዝርከቡ (ኣብ ካልእ ዓለም ዘይርከቡ) ከም ጭላዳ ህበይ፤ ዋልያ፤ ቀይሕ ብዃርያን ካልኦት ዘይተጠቐሱ ዘደንቑ ብርቂ እንስሳትን ኣዕዋፍን እፅዋትን ኣጠቓሊሉ ሓቒፉ ከም ዝርከብ ዝገለፁ ነበርቲ ከባቢ ደባርቕ። እዞም መፀዉዒናን መለለይናን ዝኾኑ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን በቲ ዝበፅሖም ዘሎ ሓደጋ ምብራስ ጠቕሊሎም ከይጠፍኡ ዝምልከቶ ኣካል ነቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ምጥፋእ ዝከኣሎ ንኽገብር ፃዊዐት ኣቕሪቦም፣
  እቲ መቋረፂ ብዘይብሉ ባርዕ ሓዊ ዝቃፀል ዘሎ ሰሜናዊ ተራራ ብዝብል ዝፍለጥ ሃገራዊ ፓርክ። ራስ ደሽን ወሲኹ 17 ዓበይቲ በረኽቲ ጎቦታት ዝሓቖፈ እንትኾን። ኣብ ዉሽጡ ዘለዉ ንምጥፋእ ዝተቓረቡን ኣብ ሓደጋ ምጥፋእ ዝርከቡ ተባሂሎም ብዩኒስኮ ዝተመዝገቡ ሕላገት ሃገር ዝኾኑ እንስሳት፤ ኣዕዋፍን እፅዋትን መንበሪ ፓርክ ምዃኑ ይፍለጥ፣