Monday, May 6, 2013

ሰበ ስልጣን ምክልኻል ኣብ ደን ምጭፍጫፍ ተዋፊሮም ኣብ ምብራስ ኣግራብ ቀዳሞት ተሳተፍቲ ኮይኖም ከም ዝርከቡ ተገሊፁ፣



ኣብ ዙሪያ ከተማ ክብረ መንግስት ዝርከቡ ነበርቲ ከም ዝገለፅዎ። ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር። ምስ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ደለልቲ ብምምሽጣር በብመዓልቱ ዓበይቲ ኣግራብ እናቖረፁ ብመኻይን  ጣውላታት እናፃዓኑ ከም ዘጓዓዕዙን። ደን ምብራስን ካብ ክልል ናብ ክልል ምስግጋርን ካብ ሕጊ ወፃኢ እንተኾነ’ውን። ሰበ ስልጣን ምክልኻል ግና በቲ ንግዲ ኣግራብ ቀዳሞት ተዋሳእቲ ኮይኖም ከም ዝርከቡ ኣረዲኦም፣
 ብፍላይ ድማ እተን ካብ ሕጊ ወፃኢ ኣብ ዝኾነ ተግባር ተዋፍረን ዝርከባ ዋንነት ምክልኻል ሰራዊት ዝኾና መካይን ኣብ መንገዲ ከይተፈተሻ ዝሓልፋ ብምዃነን። እቶም ሰበስልጣናት ጣውላታት እናፃዓኑ ናብ ዝደለይዎ እናጓዓዓዙ ይወስድዎ ከም ዘለዉ ኣሽማቶም ክግለፅ ዘይደለዩ ነበርቲ ገሊፆም፣
 ኣግራብ እናተጨፍጨፈ፤ ከባቢ ናብ ምድረ በዳ እናተቐየረ ይርከብ ዝብሉ ሓደ ቧንቧ ኣብ ዝባሃል ከባቢ ዝነብሩ ስሞም ክገልፁ ዘይደለዩ ውልቀ ሰብ ነቶም ሰበ ስልጣን ምክልኻል ደፊሩ ዝሓትት ብዘይምህላዉ። ህዝቢ ከንፈሩ ካብ ምርምጣጥ ሓሊፉ ዝገብሮ ነገር ከም ዘየለ ተዛሪቦም፣
 ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር እንትገልፁ ድማ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ሓንቲ ዋንነታ ናይ ምክልኻል ሰራዊት ዝኾነት መኪና ዝፀዓነቶ ናይ ጥይት ሳንዱቕ አውሪዶም ኣብ ክንድኡ ጣውላታት እንትፅዕኑ ዝረኣዩ ናይ’ቲ ከባቢ መናእሰይ ብቑጥዐ ነቲ ዝወረደ ሰናዱቕ ኣልዒሎም ሒዞም ብምስዋሮም። ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝተረኸቡ አርባዕተ ሰባት ተታሒዞም ክርሸኑ ምስ ተወደኣሎም። ነቲ ንሕስያ ዘይብሉ ሕጋዉነት ዘይብሉ ስጉምቲ ዝተዓዘቡ ሰባት ነተን ሳንዱቓት ካብ ዝእቶ ኣትዮም ሰለ ዘረከብዎም እቶም ንክቕተሉ ዝተቐረቡ ቆልዑ ካብቲ ግፍዓዊ ሞት ከም ዝተረፉ ኣረዲኦም፣
  እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ። ኣብ ከባቢ ሻኪሶ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ምክልኻል ሰራዊት። ታንታለም ዝተባሃለ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ማእድን። ካብ ሕጊ ወፃኢ ወሪሮም እናዉፅኡ ዉልቃዊ ጥቕሞም ኣብ ምኽዕባት ዝርከቡ ኮይኖም። መንግስቲ ግና ሪኡ ከም ዘይረኣየ ኣብ ልዕሊኦም ክሳብ ሕዚ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ንምውሳድ ተበጊሶ ክገብር ከም ዘይተራኣየ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣