Monday, May 6, 2013

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣተሓባበርቲ ድምፅና ይሰማዕ ንዝብሉ ዳግማይ ዳህሳስ ክገብር ይዳሎ ከም ዘሎ ካብ ላዕለዎት ሰበ ልጣናት ዝላሓዀ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣



ኢትዮጵያውያን ተኸልተልቲ እስልምና ሃይማኖት ድምፅና ይሰማዕ ብምባል በብሰሙኑ ዘቕርብዎ ተቃውሞ ንህልውና ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ እናተፈታተኖ ብምምፅኡ ስለ ዝተሓሳሰቦ። ነቲ ዝልዕልዎ ሕቶ ቆላሕታ ሂይቡ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ። ኣብ መንጎ ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ከምኡ’ውን ኣብ ታሕቲ ከባቢ ቀበሌታት ዝርከቡ ናይ’ቲ ተቓውሞ ኣተሓባበርቲ ብዝብል ነፃፂሉ ብምፍላይ። ምስ ኣሸበርቲ ውድባት ርክብ ኣለዎም ዝብል ኣኪቡ ንምእሳርን ክሲ ንምምስራትን ሓሊኑ ምንቅስቓስ ከም ዝጀመረ ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
  እሙናት ካድረታት ኢህወዴግ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ጦላይ፤ ብርሸለቆን ካልኦት ከባቢታት ሃገርናን ነዚ ተግባር ዘገልግል ስልጠና ንምውሳድ ከም ዝኣትው ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ።  ካብ ዉሽጢ ሕብረተሰብ፤ ካብ ቀበሌታት አመራርሓን ካብ ኣባላትን ዝተዋፅኡ ሰልጠንቲ ስልጠነኦም ምስ ወድኡ። ምንቅስቓስ እስልምና ይመርሑ እዮም ዝበልዎም ሰባት ብምፍላይ ነዚ ስራሕ ተባሂሉ ንዝተዋቐረ አካል በብእዋኑ ሪፖርት ከም ዝገብሩ ተፈሊጡ፣
  መንግስቲ ብፍሉይ ትኹረት ክግበረሎም ዘርዚርዎም ካብ ዝርከብ አካላት። ትካላት ዩኒቨርሲቲ፤ ናይ ካልኣይ ደረጃ መምህራን፤ ነጋዶን ኣብ ከከባቢኡ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ሃይማኖት እስልምናን ኣብ ዉሽጡ ዝመሃሩ ተማሃሮ ምኳኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
  እቶም ክሳብ ሕዚ ብንፁር ኣስማቶም ተታሒዞም ዘለዉ ኣመራርሓን ኣተሓባበርትን ድምፅና ይሰማዕ ብሕቡእ  ክትትል እናተገበረሎም ዝርከቡ ኮይኖም። ንቐፃሊ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣምሓራን ዝተሓዙ ኣመራርሓታት ዕሱባት ግንቦት ሸውዓተ፤ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ ድማ ዕሱባት ኦነግ፤ ኣብ ካልኦት ከባብታት ንዝርከቡ ድማ ዕሱባት ኦብነግን ካልኦት ተቓለስቲ ዉድባትን ኢሉ ብምጥማቕ። ሃገር ብሽም ሃይማኖት ናይ ኣኽረርቲ መናሃርያ ብምግባር ንሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ሓደጋ ንምፍጣር ይንቀሳቐሱ ፀኒሖም ብዝብል ከሲሱ ኣብ እሱር ንምስቓይ ከም ሓደ ኣገዳሲ መደብ ተታሒዙ ተግባራዊ ንምግባር ተጀሚሩ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣
መንግስቲ ብኣቶ አቡበክር አህመድ ዝምራሕ ናይ ድምፅና ይሰማዕ ኮሚቴ አባላት ድሕሪ ምእሳሩ። ምንቅስቓስ እስልምና ክዝሕል ትፅቢት ዝነበሮ እንተኾነ’ውን። ክሳብ ሕዚ እቲ እምነት ብኣንፃሩ ኮይኑ ይቕፅል ብምህላዉ። ነዚ ንምስባር ኣብ’ዚ ሕዚ ግዜ ነቲ ተቓውሞ የተሓባብሩ እዮም ኢሉ ዝጠርጠሮም ብምፅናዕ ዳግም ንምእሳር ዝተወጠነ ምዃኑ ተፈሊጡ፣
  ጉዳይ ተቓዉሞ እስልምና ኣብ ልዕሊ ስርዓት ወያነ-ኢህወዲግ ፀገምን ሕልኽላኽን ዝፈጥር ዘሎ መብዛሕቲኦም እስላም አባላትን ደገፍትን ኢህወዴግ ነቲ ዝካየድ ዘሎ  ድምፅና ይሰማዕ ምንቅስቓስ ምድጋፎም ምዃኑን ዝገለፀ ሃይማኖት ቀስ ብቐስ ናብ ፖለቲካ ምንቅስቓስ ክልወጥ ይኽእል እዩ ዝብል መደምደምታ ሂቦም ነዚ ኣቐዲምካ ንምስባር ዝተኣለመ ዉዲት ኢህወዴግ ምዃኑን እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ፣