Saturday, September 21, 2013

ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ዝሓለፈ 2005 ዓ/ም ማትሪክ 10ይ ክፍሊ ካብ ዝወሰዱ ተማሃሮ እቶም 5% ጥራይ ከም ዝሓለፉ ተፈሊጡ።



   እቲ ዝተረኸበ ፀብፃብ  ከም ዘመልክቶ ኣብ 2005 ዓ/ም ዘመነ ትምህርቲ ኣብ 10ይ ክፍሊ ክማሃሩ ሓገዮም ማትሪክ  ካብ ዝተፈተኑ  ተምሃሮ ሚኢታዊ 5% ጥራሕ ናብ መሰናድኦ ዘእቱ ነጥቢ ዝረኸቡ እንትኾኑ፤ እቶም ንዓመታት ለፊዖም ክመሃሩ ዝፀንሑ  95% ተምሃሮ ግና ብሰንኪ ዝንቡዕ ፖሊሲ ትምህርቲ እቲ ስርዓት ክተርፉ ከም ዝኸኣሉ ኣፍሊጡ።

   እቲ ሓበሬታ ወሲኹ በቲ ክልል ክፍሊ ትምህርቲ ናይዚ ዓመት ዘውፅኦ መሕለፊ ፖሊሲ ንደቂ ተባዕትዮ 2.7፤ ንደቂ ኣንስትዮ ድማ 2.29 ነጥቢ ኮይኑ፤ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ማለት ሪሞት ኤርያ ንዝርከቡ ተምሃሮ ድማ ደቂ ተባዕትዮ 2.4 ደቂ ኣንስትዮ ድማ 2.14 ነጥቢ ዘምፅኡ ናብ ዝቕፅል መሰናድኦ ትምህርቲ ክኣትዉ ዘፍቅድ እንትኾን፤ ነቲ ምዉዳቕ ምኽንያት ከዓ ሓደ እቲ መመዘኒ ነጥቢ ሓፍ ብምባሉ እንትኸዉን፤ እቲ ካልእ ከዓ ተማሃራይ ነቲ ዘዉፅእዎ ፈተና ዝምልስ ዓቕሚ ንኸጥሪ ፅሬት ዘለዎ ፖሊሲ ትምህርቲ ዘይወሃብ ብዘይምህላዉ ዝወለዶ ከም ዝኾነ ኣረዲኡ።