Saturday, September 21, 2013

ሓለፍቲ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ባዕሎም ዘጠፋፍእዎ ልዕሊ 50 ሽሕ ቅርሺ ከሲርና ብዝብል ምኽኒት ነቶም ሰራሕተኛታት የጨናንቕዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተመዲቦም ዝሰርሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮሚቴ፤ ኣብ ትሕቲኦም ንዘለዉ ታሕተዎት ሰራሕተኛ ኣኪቦም “ኣብዚ እዋን ልዕሊ 50 ሽሕ ብር ከሲርና ዘለና ብናይ መን ፀገም ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ” ዝብል ታህዲድ ዝተመልኦ ዘረባ ኣብ ዘስምዕሉ። “እቲ ፀገም ዝተፈጠረ ብሰራሕተኛታት ዘይኮነ። ነብስኻ ምፍታዉ ዝወለዶ ፀገም ሓለፍቲ እዩ” ክብሉ እቶም ታሕተዎት ሰራሕተኛ ከም ዝመልስሎም ካብ ዉሽጢ‘ቲ ኤምባሲ ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ካብቶም ኮሚቴ ሓደ ዝኾነ ሃፍቶም ዝተበሃለ ኣብቲ ኤምባሲ ሓላፊ ኣካያዲ ስራሕ ኮይኑ ዝሰርሕ ሰብ ከም ዘሎ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፤ ንሱ ቅድም ኢሉ ልዕሊ 3 ግዜ ካብ ኣገባብ ወፃኢ ገንዘብ ኣጠፋፍእኻ ተባሂሉ ዝነበረ እንትኾን፤ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰደ ኣራሚ ስጉምቲ ብዘይምህላዉ፣ ሕዚ’ዉን ካብ ሕሉፍ ከይተመሃረ ምስ ኣብቲ ኮሚቴ ዝርከቡ ሰለስተ ርእሱ ኮይኑ፤ ንዝተሸገረ ህዝቢ ክዉዕል ካብ ዝተበሃለ ገንዘብ ልዕሊ 50 ሽሕ ቅርሺ ምጥፍኡ ኣብቲ ኤምባሲ ክሳብ ክንደየናይ ግዕዝይና ተስፋፍሑ ከም ዘሎ ዘረድእ ከም ዝኾነ ገሊፁ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ብሽም ኤምባሲ ኢትዮጵያ እናሸቀጡ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ካብ ዘጠፋፍኡ ዘለዉ ሰባት፤ ብቐንዱ ኣካያዲ ስራሕ ሃፍቶም፤ ኣቦይ ሚክኤለን ኣበበን ዝተበሃሉ ዝርከብዎም ኮይኖም፤ ኣበበ ዝተበሃለ ናይ ኣምባሳደር መራሒ መኪና ኮይኑ በታ መኪና ኢምባሲ ፈቐድኡ እናዞረ መዓልታዊ ብገንዘብ ህዝቢ ዊስክ ክሰትን ጫትን  ክሓይኽን ከም ዝዉዕል ብቐፃሊ በቶም ሰራሕተኛ ዝበሃልን ዝዝረበሉን ምኻኑ ካብቲ ኤምባሲ ዝላሓን ካብ ነበርቲ ከተማ ካርቱም ዝረኸብናዮ ሓበሬታን ኣረዲኡ።