ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ መኾኒ ዝነብር
ሕብረተሰብ ብስእነት ፅሩይ ዝስተ ማይን ሕፅረት ሕክምናን ንኸቢድ ሓደጋ ተቓሊዑ ከም ዝርከብን፣ ካብ ከባቢ ወረባየ ፍሉይ ሽሙ ላጤ ካብ ዝተብሃለ ፅሬቱ ዘይሓለወ
ዕቋር ማይ ክሰትዩ ይግደዱ ስለ ዘለዉ፤ ብዙሓት ህፃናትን
ኣዴታትን ዝርከብዎም ዜጋታት ግዳይ ሕማማን ሞትን ይኾኑ ምህላዎም ካብ ወረዳ መኾኒ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እቲ ንግዳያት መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ወሲኹ፤ ኣብ‘ታ ወረዳ እኹል መድሓኒትን እኹል መመርመሪ መሳርሕታት ሕክምናን ኣብተን ጥዕና
ጣብያ ኣብ ርእሲ ዘይምህላዎ፤ እቶም ኣብአን ተመዲቦም ዝሰርሑ ሓካይም እንተኾኑ’ውን ውሑዳትን ምስቲ በዚሒ ህዝቢ ዘይመጣጠኑን ምዃኖም
ተወሲኽዎ፣ ብርክት ዝበላ ሓራሳት ዝርከበአን ኣዴታትን ህፃናትን ዝግባእ ኣገልግሎት ሕክምና ብምስኣን ግዳይ ሞት ይኾኑ ምህላዎም
ኣረዲኡ።
ካብ ወረዳ መኾኒ ከይወፃእና ካድረታትን ኣማሓደርትን
ስርዓት ወያነ መዓልታዊ ኣኼባ፤ ገምጋም፤ ፓኬጅን፤ ጉጅለ ምይይጥን ስርርዕን እናበሉ፤ ህዝቢ ሰሪሑ መነባብርኡ ከይመርሕ ኣብ ውፅኢት ዘይብሉ ኣኼባታት
ኮፍ ኢሉ ክውዕል ዘገድድዎ ዘለዉ ኮይኖም፤ ነዚ ዘይተቐበሉ ድማ ፀረ
መደባት መንግስቲ እናበሉ ብገንዘብ ይቐፅዕዎን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይዳጉንዎን ከም ዘለዉን እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ገሊፁ።