Tuesday, September 10, 2013

ኣብ ዉሽጢ ሰራዊት ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ኣጋጢሙ ብዘሎ ዋሕዲ ሓይሊ ሰብን ዘይትእማምን ክፍለ-ሰራዊታትን ኣሃዱታትን ይጭፍለቓ ከም ዘለዋ ተሓቢሩ።

ካብ ዉትህድርና ክሰናበቱ ሓቲቶም ዘይተመለሰሎም በብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ተጠቕሞም ምጥፍኦምን ነቲ ስርዓት ከገልግሉ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ስርዓት ወያነ ካብ እዋን ናብ እዋን ቁፅሮም እናወሰኸ ብምዃዱ ኣብ ክፍለ ሰራዊት ዋሕዲ ሰብ ከም ዘጋጠመ ካብቲ ምክልኻል ሊሒኹ ዝወፀ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
            
ካብተን ናይ ምጭፍላቕ ዕጫ ዘጋጠመን ንምጥቃስ ኣብ ሰሜን እዝ ክፈለ-ሰራዊታት 14ን 19ን ዝተጨፍለቓ እንትኾና፤ ኣብዘን ክፍለ ሰራዊት በብደረጅኡ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ብቦርድን ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ብዝተኻየደ ገምጋም ካብ ሓላፍነቶም ዝተኣለዩ ብርክት ዝበሉ ከም ዘለዉን ኣብ ክንድኦም ብሓደሽቲ ኣዘዝቲ ክሽፈን ተጌሩ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
እቶም ንዝቕፅል ሸዉዓተ ዓመት ኣብ ሰራዊት ንምግልጋል ፈርሙ ተባሂሎም ዝኣበዩ ክሳብ ሕዚ ዘልዓልዎ ሕቶ ምስንባት ከም ዘይተመለሰሎምን፤ ቅድም ክብሉ ፈሪሶም ንዓዶም ዝኸዱ ኣባላት ሰራዊት ከዓ፤ ብመራሕቲ መስርዖምን ጋንትኦምን እናተኣረዩ ክመፁ ብምግባር ባዶ ተሪፈን ንዝነበራ ኣሃዱታት መመልኢ ክጥቀምሎም መደብ ሒዞም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።