Tuesday, September 10, 2013

ማእኸላይ መርሕነት ዉድብ ህወሓት ሕሉፍን መፃእን ስራሕ ንምግምጋም ብዝብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብወጥርን ምስሕሓብን ከም ዝዛዘሞ ተገሊፁ።



ህወሓት ከም ህወሓት ዓቕምታቱ ተበታትኑ እዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ ካብዚ ኣፀላልይዎ ዘሎ ምብታታን ዘይምትእምማንን ንምድሓን ብቐፃሊ ነገራት ኣብ ምፍሓስ ዝተፀመዱ ናይዚ እዋን ላዕለዎት ኣመራርሕ እቲ ዉድብ፤ ነቲ ኣብ ውሽጦም ናይ ህዝቢ ሕቶ ኣልዒሎም ኣብ ዝሓትሉ እዋን ኣየእትወክሙን ዝብል መልሲ ከም ዝተዋሃቡን እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ዓብዪ ፅልዋ ገይሩ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ዉሽጢ ኣመራርሓ ህወሓት ኣጋጢሙ ዘሎ ምፍጣጥ ኣብዝሓ ህዝቢ ትግራይ ፈሊጥዎ ስለ ዘሎ፤ እቲ ንኸምስሉን ኣለና ንምባልን ብሚድታቶምን ኮራኹሮምን ኣቢሎም ዝነዝሕዎ መደናገሪ ፕሮፖጋንዳ ብሓደ ድምፂ ይነፅጎ ከም ዘሎን፤ እኳድኣ ህዝብና ጉጅለ ህወሓት ረብሓታቶም ንምዉሓስ ክብሉ ከይመላልእዎ ብንቕሓት ይከታተሎምን ባዕላዊ መማረፂታት የዋዲድ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።
እቲ ኣብ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ መፍትሒ ዝሰኣነ ምፍጣጥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ  ኣዘዝቲ ሰራዊት ልሒኹ ንኣዋዳድባ እቲ ሰራዊት ኣፈተና ኣእትዎ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።