ኣብ ከተማ መቐለ ፍሉይ ከባቢ ኣይና-ኣለም ዝርከቡ ዜጋታት ሕጋዊ ዋኒነት ተዋህብዎም ክነብርሉ ዝፀንሑ
ቦታ፤ እቲ ከባቢ ብኢንቨሰተራት ስለ ተሓረየ ንከተማና ብሊዝ ክንሸጦ ብኣመራርሓ ተወዲኡ ስለ ዘሎ፤ መተካእታ 90 ካሬ ሜትር
ክዋሃበኩም ምዃና ተረድእኹም ቀልጥፍኩም ዉልቃዊ ንብረት ሕዝኩም ልቐቑ ኣይንለቅቕን እንትልኩም ድማ ብዶዘር ጌርና ክነፍርሶ
ምዃና ፍለጡ ክብሉ ቀጥን ትእዛዝ ሂበሞም ከም ዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
እቲ ዝካየድ ዘሎ ነበርቲ ኣይና-ኣለም ናይ ምፍንቓል መሰርሕ ኮነ ተባሂሉ ነቲ መሬት ብሊዝ ብምሻጥ
ዘይግበኣካ ሃፍቲ ንምኽዕባት ብላዕለዎት መርሕነት ህወሓት ዝተወደኣ ምዃኑ ዝተረድኡ ነበርቲ፤ “ንሕና ሎሚ ይኹን ፅባሕ ንዓመታት
ዘለና ሃፍቲ ኣፍሲስና ክንሃንፆ ዝፀናሕና ገዛና ኣይንገድፍን ብምባል ብሓደ ድምፂ ተቓውምኡ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ እቲ
ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣገንዚቡ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ሴሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረን ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ኣላማጣን ገዛ
እናፍረስካን ህዝቢ ኣፈናቒልካን መሬት ንኢንቨስተራት ብምሃብ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት በደል ዝተፈፀመ ምዃኑ ይፍለጥ።