ኣብ ዞባ
ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሰቲት ሑመራ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ፤ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ፅርግያ ብኣስፋልት
ክንገብሮ ብዝብል ምስሉይ ዘረበኦም ሕድ ሕድ ነባራይ ገንዘብ ንኽኸፍል ኣብዚ ቅንያት ንህዝቢ ኣኪቦም ኣብ ዘካየድዎ ምልዕዓል፣
ህዝቢ ነዙይ ክትብሉና ዲኹም ፀዊዕኹምና ብምባል ብሓደ ድምፂ ከም ዝነፀጎም ካብቲ ቦታ ምንጭታና ሓቢሮም።
ብተወሳኺ
ኣማሓደርትን ካድረታትን ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ኣርእስቲ እናቐያየሩ ወገሐ ፀብሐ ገንዘብ ሃቡ ብምባል ንመላእ ነባራይ እታ
ከተማ ዘለዎ ሃፍቲ ጓሕጒሖም ጥራይ ኢዱ ንምትራፍ ሓዱሽ ስልቲ ሒዞም ነቲ ኣኼባ ክመርሑ ዝተለኣኹ ኣመሓደርቲ፣ በቶም ተኣከብቲ
ሎሚስ ስልችዩና ካበይ ኣምፅእና ክንህበኩም ዝብል ብዝተዋሃቦም ተሪር ግብረ መልሲ ኣዝዮም ዝተሰናበዱ ኮይኖም፤ ነቲ ዝተለዓለ
ሕቶ ግቡእ ምላሽ ከይሃብሉ ብዘይፍረ ክምለሱ ከም ዝተገደዱ ካብ ከተማ ሑመራ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።