ኣብ ዞባ
ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ኣብ ሕሉፍ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዓብዪ እጃም ዘበርከቱ ገዳይም ተጋደልቲ፣
ካብ ምግዳል ምስ ተሰናበቱ ዉልቃዊ ህይወቶምን ስድርኦምን ንምምራሕ ላዕሊ ታሕቲ ይብልሉ ኣብ ዘለዉ ግዜ፣ ሓለፍቲ ፀጥታ ስርዓት
ወያነ-ኢህወዴግ ኣብዚ ቅንያት ኣኪቦም ከባቢኹም ለይትን ቀትርን ዋርድያ እናወፃኹም ሓልዉ ክብሉ መምርሒ ምስ ሃብዎም። እቶም
ነባራት ተጋደልቲ ንሕና ብዕድመ ዝደፋእና፣ ዓይንና ደኺሙ፤ ብርክና ረኽረኽ ኢሉ ኣብ ንርከበሉ ግዜ ኣብ ክንዲ ምሕጋዝኩም
ተመሊስኩም ሓልዉና ክትብሉና ጀምርኩም ክብሉ ብቑጠዐ ተቓዉምኦም ከም ዝገለፅሎም ካብ ዉሽጢ እታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
በቲ
ዝቐረበሎም ተቓዉሞ ዝተቖጥዑ ኣመሓደርትን ሓለፍቲ ፀጥታን፣ ንስኹም ኣይንሕሉን እንተልኩም ዝሓዝኩሞ ዕጥቂ ኣርግፍዎ ክብሉ
ዘጓጠጥሎም እንትኾኑ፤ በቲ ምጉጣጥ ሰብ ዘበን ዝኾኑ ኮራኹር ዘይዓጀቦም ተጋደልቲ ነበር “ንሕና ብዕድመ ዝደፋእና ዋርድያ
ክንወፅእ ኣይንኽእል ምባልና ኣገባብ ምዃኑ ተረድእኹም ዘረዳድእ መፍትሒ ክተቐምጡ ኣለኩም’ምበር፣ ዝደመናሉን ዝሰንከልናሉን ንነብስና መሐለዊ ዝሓዝናዮ ብረት ኣርግፉ ክትብሉና
ኣይግባእን፤ ካብዚ ሰጊሩ ዕጥቅና ከራግፍ ዝኽእል ሓይሊ እንተሎ ድማ ይምፅእ” ብምባሎም። ኣብ መንጉኦም ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ
ኣብ ዓብዪ ወጥሪ ከም ዝርከቡ ካብ ከተማ ሸራሮ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።