ንግዕዙይ
ምሕደራ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ብምቅዋም መረረቱ ኣብ ምስማዕ ዝርከብ ነባራይ ህዝቢ ከተማ ሸራሮ፣ ኣካላት ምምሕዳር ነቲ ኣብ
ልዕልኦም ዝነፃፀረ ሓያል ተቓዉሞ ኣንፈቱ ንምጥምዛዝ ክብሉ ናይቲ ወረዳ ናይ ህወሓት ወኪል ዳኘውን፤ ናይ ከተማ ሸራሮ ኣማሓዳሪ ወዲ ኣወጣሽን ዝተበሃሉ ካብ 5 መስከረም
2006 ዓ/ም ክሳብ 7 መስከረም 2006 ዓ.ም ንመላእ ነባራይ ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ኣኪቦም፤ ብህዝቢ ተቐባልነት ንዘይብሎም
ምቅይያርን ዉሽጣዊ ምትዕርራይን ጌርና ኣለና ብምባል፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ቀሪቦም ንስኹም ዘይትፈልጥዎ ኣይንሾምን ተላልይዎም ፍለጥዎም እናበሉ ዕድመ ሳልጣኖም ንምንዋሕ
ከምዝተመፃደቑ ካብ ከተማ ሸራሮ ካብ ዝተረኸበ ሓበሬታ ምፍላጥ
ተኻኢሉ።
ካብ
ዉሽጢ እቶም ተኣከብቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፤ ነቲ ብኣኼባ ፀሚደሞ ዘለዉ፤ ካብ ሕዚ ንደሓር ኣመሓደርቲ ቀያይርና ስለ
ዘለና ዝኾነ ሰብ ኣባል ዉድብ ክኸዉን ኣለዎ። ከምኡ’ዉን ይብዛሕ ይዉሓድ ገንዘብ ክዓቁር ዝደሊ ሰብ ኣብ ማረት ማይክሮ
ፋይናንስ ከቐምጥ ከምዘለዎ ጎስጓስ ክካየድ፤ ነዚ ኣብ ምጥንኻርን ምልዕዓልን እቶም ቀድሞም ኣባላት ዉድብ ኮይኖም ዝፀንሑ
መራሕቲ ጉጅለ ጠንኪሮም ዘዓይሉን ዕማም ዉድቦም ዘሳልጥሉን እዋኑ ኣኺሉ ኣሎ። እዙይ ንምትግባር ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ዝዕንቅፍ ሰብ
እንተሎ ብእዋኑ ክሕብሩን። ኮነ ኢሉ ዝሕንፍሽ ሰብ ምዃኑ ተፈሊጡ ድማ ዓንቃፊ ልምዓት ተባሂሉ ክሕተት መምርሒ ከም ዘዉረድሎም
ገሊፁ።
ብተመሳሳሊ
ቅድም ክብል ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ነታ ከተማ ዘማሓድር ዝነበረ ፀረ-ህዝቢ ጥላሁን በርሀ ካብ ቅድሚ ዓይንና ምእላዩ ዘሕጉሰና እኳ
እንተኾነ ውልቀ-ሰባት ብምቅይያር ዝመፅእ ለውጢ የለን፣ ለውጢ ዝመፅእ ናይ ስርዓት ለውጢ ክግበር እንከሎ ጥራሕ እዩ ኢሉ ከምዝተዛረበ ይዝከር።
ካብ ከተማ ሸራሮ እንከይወፃእና ኣብታ ከተማ ንነዊሕ እዋን ክረአ ዝፀንሐ
ስእነት ዝስተ ፅሩይ ማይ፤ ሕፅረት መብራህትን ምቁራርፅ ስልኪ ኔትወርክን መሰረታዊ ፍታሕ ክግበረሉ ብዘይምኽኣሉ፤ ኣብ ማሕበረ
እኮኖሚ ነባራይ ህዝቢ ዘብፅሖ ዘሎ ክሳራን ጉድኣትን ኣብ ዝለዓለ ጫፍ በፂሑ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።