Monday, September 16, 2013

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ፀረ-ሽፍታ ተባሂሉ ህዝቢ ዘበሳብስ ዝነበረ ልኡኽ ካድረ ስርዓት ወያነ ከም ዝተቐተለ ካብታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ብገንዘብ ተዓሲቡ መጋበርያ ሰበ ስልጣን ወያነ ኮይኑ ንነባራይ  ከተማ ሑመራን ከባቢኡን ምኽንያት እናፈጠረ ህዝቢ ከጋፍዕን ከሳቕን ዝፀንሐ ኣስማረ ዝተብሃለ ሰብ፣ ናብቲ ናብቲ እናበለ ከደናግር ብሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኣብ ዝተቐንፀለሉ፤ ህዝቢ እቲ ከባቢ በቲ ኣጋጣሚ ዘሎ ቕትለት ኣዝዩ ከም ዝተሓጎሰ ካብቶም ነበርቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ፀረ ሽፍታ ዝብል ሽም ተዋሂብዎ ነበርቲ ተቀሳቕሶም ዕለታዊ  መነባብሮኦም ከይመርሑ ኣበይ ነይርኩም? ምስ መን ተረኺብኩም እናበለ፤ ገባራት ይኹኑ ብስራሕ መንግድ ንዝነጥፉ ዜጋታትና መእትውን መወፅእን ብምኽላእ፤ ብዘይዋዓልዎ ምስ ተቓወምቲ ተራኺብኩም እናበለ ዝኣስርን ዝቐትልን ዝነበረ ኣስማረ ዕሉል ካድረ ወያነ ኮይኑ፤ ነዚ ዘይፈለጡ  ምክልኻል ሰራዊት ወያነ  ናይ ኢድ  ተተኳሲ ቡንባ ሒዙ ረኪብናዮ ብዝብል ብ1 መስከረም 2006 ዓ/ም ከም ዝቐተልዎ ተገሊፁ።
 ከም ዝፍለጥ ኣብ’ዞም ዝሓለፉ  እዋናት ህዝቢ ብካድረታት ወያነ-ኢህወዴግ ዝበፅሖ ዘሎ ግፍዕታት እናመረሮ ይኸይድ ሰለ ዘሎ፤ ኣብ ልዕሊ ልኡዃት እቲ ስርዓት ስጉምትታት  ኣብ ምወሳድ ከም ዝርከብ ይፍለጥ።