ማእኸል ቤት ፅሕፈት ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝኾነት ከተማ መቐለ ብስእነት ዝሰተ ፅሩይ ማይ ነባራይ ህዝባ ንዓመታት ክሳቐ
ዝፀነሐ ኮይኑ፤ ኣብዚ ግዜ እዚ ቆላሕታ ዝምልከቶ ኣካል ፍታሕ ዘይረኸበ
ልዕሊ ማንም እዋን ሎሚ ንዝኸፈአ ፀገም ተቓልዑ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተካኢሉ።
እቲ ስእነት ዝስተ ፅሩይ ማይ ኣብ መላእ ከተማ መቐለ ኣጋጢሙ ዘሎ ኮይኑ፤ ብፍላይ ከዓ ኣብ ዓይደር፤
ቀበሌ 03፤ 18ን ዓዲ ሽንዱሕን ንዝሓለፈ ስለስተ ወርሒ ንሓንቲ መዓልቲ’ዉን ትኹን ማይ ቡንባ ከም ዘይረኸቡን ነቲ ኣጋጥምዎም
ዘሎ መፍትሒ ዝሰኣነ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ነባሪ ህዝቢ ፅሬቱ ዘይሓለወ ዕቋር ማይን ዒላታትን ንምርካብ ኣብ ገልታዕታዕ ግዜኡ
ንኾንቱ የባኽኖ ከም ዘሎ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብተመሰሳሊ ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ
መፍትሒ ዝሰኣነ ፀገም ስእነት ዝስተ ፅሩይ ማይን ምቁርራፅ ኣገልግሎት መበራህትን ብምህላዉ። ህዝቢ መዓልታዊ ህይወቱ ብኣግባቡ
ክመርሕ ተፀጊሙ ከም ዝርከብ ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።