ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ነበርቲ ዝተፈላላዩ ከተማታት
ሃገርና በስንኪ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ መነባብርኦም ክመርሕሉ ኣብ ዘይኽእልሉ ብርኪ ምብፅሖም ድሕሪ ምግላፅ፤ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፤ ድሬዳዋን መቐለን ዋጋ ሓደ ኩንታል ጣፍ ልዕሊ 2000 ሽሕ ብር ምብፅሑ መርኣያ
ክብሪ መነባብሮ ካልኦት ጠለባት ኮይኑ፤ ብሓፈሻ ኣብ ካልኦት ዘይተጠቕሳ ከተማታት ሃገርና‘ዉን ተመሳሳሊ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት
ሰማይ ምብፅሑ ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ክራይ ገዛ እነተኾነ’ዉን ጠቕሊሉ ከም ዘየለ
ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ ንደለለቲ ዘይተኣደነ ገንዘብ ክፊልካ
እንተተረኸበ ድማ ኣብ ወሰን ከተማ ኮይኑ ንሓንቲ
ንእሽተይ ፀባብ ገዛ ልዕሊ 600 ብር ክትከፍል ከም እትግደድ
ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሃገርና ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ሰብ ዋና ኣካረይቲ ገዛ ካብ ዝኽፈሎም ሚኢታዊ ሒሳብ 40% ናብ መንግስቲ
ኣታዊ ክገብሩ ስለ ዝግደዱ ነቲ ዝኸፍልዎ ቀረፅ ንምሽፋን ክብሉ ኣብ
ገዛ ክራይ ብተዓፃፃፊ ክውስኽ ብምግባሮም ተኻረይቲ ብፍላይ ድማ
ሰራሕተኛታት መንግስቲ እቲ ዘውፅእዎ ወፃኢ ካብቲ ኣታዊኦም ይዛይድ ብምህላዉ ኣብ ከቢድ ቅልዉላዉ መነባባሮ ወዲቖም ከም ዝርከቡ
ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብዝተፈላለዩ ፀገማት ማሕበራዊ መነባብሮን ኣብ
ውሽጢ ሃገርና ኣብ ስልጣን ዘሎ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ብዝፈጠሮ ፖለቲካዊ ቅልውላው ህይወቶም ክመርሑ ዝተፀገሙ ሰራሕተኛታት
መንግስቲ፤ ዝነብሮም ስራሕ ራሕርሖም በብዝረኸብዎ ኣንፈት ፈቐዶ ዓዲጓና ዉሕስነት ብዘይብሉ ባሕሪን ሰሃራ በረኻን ኣቋሪፆም ክጥፍኡ
ንኣደዳ ሞትን ስቅያትን ይቃልዑ ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።