Monday, April 28, 2014

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ናይ ሃገራዊ መረፃ ቦርድ ቤት ፅሕፈት ብ10 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም መንነቶም ዘይተፈለጡ ሰባት ናይ ኢድ ቦምብ ምትኳሶም ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፦እቲ ብ10 ሚያዝያ ወጋሕታ ስዓት 11፣00 መንነቶም ብዘይ ተፈለጡ ሰባት ኣብ ቤት ፅሕፈት መረፃ ቦርድ ናይ ኢድ ቦምባ ምፍንጃሩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ በዚ ዝተሳናበዱን ራዕዲ ዝኣተዎምን ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ድማ ነቲ ድሕሪ ሓደ ዓመት ንዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ንምትዕንቓፍ ተቓወምቲ ውድባት ኮነ ኢሎም ዝፈፀምዎ’ዮ ብምባል የወንጂልዎም ምህላዎም ተፈሊጡ።

    ብተወሳኺ ኣብ  ከቢድ ስግኣት ዝወደቑ ሰበ ስልጣን ወያነ ኢህወደግ ንቤት ፅሕፈት መረፃ ቦርድን ከባቢኡን ብፌደራል ፖሊስ ብፁኑዕ ንኽሕሎ መምርሒ  ምውራዶም ዝበፀሐና ሓበሬታስ የመልክት።