Monday, April 28, 2014

ኣብ መንጎ ላዕለዎት ናይ ምክልኻል ሰራዊት ስርዓት ወያነ ኢሕወዴግ ብርቱዕ ዘይምቕዳው ኮሎኔላት ዝርከብዎም ናይ ስራሕ መልቀቒ ደብዳቤ ንኽዋሃቦም ይሓቱ ከምዘለዉ ካብቲ ምክልኻል ሊሒኹ ዝበፃሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



እቶም ብ2 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም  ናይ ስራሕ መልቀቒ ደብዳቤካብ  ዘእተው  ላዕለዎት መኮንናት ስርዓት ወያነ ኢሕወዴግ ኮሎኔል ዓንደንኪኤል ወልደማርያም ተወላዲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኮሎኔል ገብረመስቀል ገብረእዝጊኣብሄር ተወላዲ ዞባ ማእኽል ትግራይ  ዝርከብዎም እንትኾኑ ብወገን እቲ ስርዓት ዝተውሃቦም መልሲ ድማ “ብሰንክኹም ካልኦት ኣባላት ሰራዊት ኣሰናብቱና ይብሉ ኣለው ኣይትሓንፍሹና ስቕ ኢልኩም ደመወዝኩም ብልዑ” ኢሎም ከም ዘፍራርሕዎም ተፈሊጡ።

  እቲ ካብ ምክልኻል ሰራዊት ሊሒኹ ዝበፅሓና  ሓበሬታ ወሲኹ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናይ ሸውዓተ ዓመት ኣገልግሎትና ስለዘብቀዐ ናብ ዓድና ስደዱና ዝብሉ ጥርዓናት ብሰፊሑ  ይረአ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  በዚ ምኽንያት ድማ እቶም ጥርዓን ዘቕርቡ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት መለዓዓልቲ እናተብሃሉ ብኸቢድ ገበን እናተቐፅዑ ናብ ቤት ማኣሰርቲ ይዳጎኑ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።