Monday, April 28, 2014

ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምኽላኻል ሰራዊት ዝኾኑ ጄነራላትን ሓያል ወጥርን ዘይምስምማዕን ተፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



ብመሰረት  ምንጭታትና እቲ ብ14 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝመርሖ ናይ ጀኔራላት ኣኼባ ምክያዱ ድሕሪ ምግላፅ  ዋና መአከቢ ኣጀንዳ ድማ  ናይ ኢትዮጵያ ጠቅላይ ኢታ ማጆር ሹም ሳሞራ የኑስ ዝነበረ ስልጣን መን ይሓዞ? ብዝብል ብሓሳብ ክሰማምዑ ሰለዘይከኣሉ  ኣብ መንጎኦም ሓያል ወጥሪ ሰፊኑ ከም ዘሎ ንምፋላጥ ተኻኢሉ።

 ብተወሳኺ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ እቲ ስልጣን  ሌተናል ጄነራል ኣበባው ታደሰ ይሓዞ እንትብል እቶም ካልኦት ተሳተፍቲ  ድማ ሌተናል ጀነራል ሰዓረ መኮነን ወይ ሌተናል ጀነራል የውሃንስ ገብረመስቀል ክኸውን ኣለዎ  እንትብሉ  ቀዳማይ ሚኒስተር  ሃለማርያም  ግን እዚ ኣይቅበሎን  ስለዝበለ ኣኼባ  ብዘይ ስምምዕ ከም ዝተበተነ  እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ሓበሬታ  ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚንስተር ህወሓት-ኢህወዴግን ጄነራላቱ ዘሎ ዘይምስምማዕ ወገነይ ወገንካ ዝመንቀሊኡ’ምበር  ንሃገርን ህዝብን ብምሕላይ ዘይምዃኑ ገለ ኣባላት ላዕለዎት እቲ ምክልኻል ይዛረብሉ ከምዘለው ድሕሪ ምግላፅ ሌተናል ጄነራል ኣበባው ታደሰ ብዘጋጠሞ ናይ ጥዕና ፀገም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይሕከም ከም ዘሎ  ተፈሊጡ።