Saturday, April 26, 2014

ኣብ ሰሜን እዝ ዝርከቡ ወተሃደራት ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ከም ብሓዱሽ ከገልግሉ ብግዴታ ፈርሙ ስለ ዝተብሃሉ ተቓውሞኦም ይገልፁ ምህላዎም ካብቲ ሰራዊት ሊሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



እዞም ኣብ ሰሜን እዝ ዝርከቡ ወተሃደራት እቲ ሰርዓት ቅድም ክብል ን7ን 10ን ዓመታት ፈሪሞም  ከገልግሉ  ምፅንሖም  ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ።  እንተኾነ  እዞም ወተሃደራት ኣገልግሎትና ስለዝወዳእና ንገዛና ስደዱና ብምባል ጥርዓን ከቕርቡ ከምዝፀንሑ እንተኾነ  ልዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ግን ነቲ እናኣተውሎም ዝፀንሑ መብፅዓ ጠሊሞም ከም ብሓዱሽ  ብግዴታ  ፈርሙ ስለዝበልዎም ኣብ ውሽጢ እቲ ሰራዊት ሓያል ዕግርግርን ተቓውሞን ከም ዝተልዓለ  ተፈሊጡ።

    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እቶም ወተሃደራት ኣብ 1991 ዓ/ምን ከምኡ’ውን ኣብ 1992 ዓ/ም  ዝተኸትቡ ኮይኖም ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ድማ ን7ተ ዓመት ተባሂሎም ከም ዝፈረሙ ድሕሪ ምግላፅ እንተኾነ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ነቶም ስንብታ ዝሓቱን  ዳግማይ ኣይንፍርምን ዝበሉ ወተሃደራት ኣኪቦም ናብ ዓቃቢ ሰላም ክንሰደኩም ኢና ፈርሙ ብምባል ከተዓሻሽውዎም ዋላኳ እንተፈተኑ ከም ዝተቓወምዎ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
 
   ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ መንግስቲ ዘየተግብሮ መብፅዓ   ክኣቱን ንሓደሽቲ ሰራዊት  ን7 ዓመት ጥራሕ ከተገልግሉ  ፈርሙ ምባሉ ጌጋ እዩ  ብዝብል ሓሳብ ኣብ መንጎ ላዕለዎት  መኮነናትን  ሰበስልጣን  መንግስትን ሓያል ዕግርግርን ውጥረትን ተፈጢሩ ምህላዉ  ድሕሪ ምግላፅ  በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ሰሜን እዝ ሓላፊ ዝኾነ ሜጀር ጀነራል ገብራት ኣየለ ንኹሉ ሰራዊት  መንግስቲ ሓደ መፍትሒ ክሳብ ዘወርድ ዝኾነ ወተሃደር ካብ ኣሃድኡ  ናብ ቤተሰቡ ይኹን ናብ ካልእ ክንቀሳቀስ የብሉን ዝብል ሓዱሽ መምርሒ ኣውሪዱ ከምዘሎ ተፈሊጡ።