Thursday, May 8, 2014

ህወሓት ማሌሊት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ንዝንቀሳቐሱ ብሰለማዊ መንገዲ ክንቃለስ ኢና ንዝበሉ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ንመረፃ 2007 ዓ/ም ተወዳደርቲ ንከይኾኑ ብሚልዮናት ዝቑፀር ገንዘብ ብምምዳብ ከልምሶም ይሸባሸብ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዚ ተግባራት እዚ ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ኢህወደግ ዝሰርሓሉ ዘሎ ምዃኑ እንትገልፅ ብፍላይ ከዓ ኣብ ትግራይ ኣባላት ውድብ ዓረና ንዝኾኑ መንእሰያት ኣብ ቀፃሊ መረፃ  ንዝኣምኑሉ ውድቦም ደጊፎም  ተወዳደርቲ ንኸይኾኑ  ብሓይሊ ገንዘብ የታልልዎምን ንዝኣበዩ ድማ ካብ ዝሓዝዎ ዕላማ ንኸድሐርሕሩ   የፈራርሕዎምን ይኣስርዎምን  ከምዘለዉ ተገሊፁ።

እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ተቓወምቲ ውድባት ሓይሎም  ኣጠናኺሮም  ህዝብዊ ደገፍ ረኺቦም ኣብ መረፃ  ከይሳተፉን  ንኽበታትኑን ብመሪሕነት ኮይኑ  ተንኮላት ዝፍሕስ ዘሎ  ካድረ ወያነ ወልዱ ወዲ ዓድዋ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ነባር ተጋዳላይ  ምኻኑ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ብተመሳሳሊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ህወሓት ኢህወዴግ ብፍላይ ድማ ትግርኛ ተዛረብቲ ኣብ ከተማታት ስቪል ክዳን ተኸዲኖም ንመንእሰያት ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ኢኹም እናበሉ ይኣስሩን የፈራርሑን ከም ዘለው ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ።