Thursday, May 8, 2014

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ወያነ ኢህወዴግ ብህዝቢ ዘለዎም ተቐባልነት እናንቖልቆለ ስለዝመፀ ንነባራት ተጋደልቲ ህወሓት ነበር ብረብሓ ኣታሊሎም ደገፍቶም ንኽኾኑ ዘካየድዎ ፈተነ ከም ዝፈሸለ ተገሊፁ።



መራሕቲ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ንመፃኢ ኣብ  2007 ዓ/ም ከካይድዎ ወጢኖሞ ዘለዉ  መረፃ  ብህዝቢ ዘለዎም ተቐባልነት  ትሑት ምኻኑ   ስለ ዝተረደኦም ነዚ ንምሽፋን ንነባራት ተጋደልቲ ህወሓት ነበር ብረብሓ ኣስዲዖም ኣብ ጎኖም ንምስላፍ “ብ14 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ናይ  ጡረታ መሰልኩም ተሓልዩልኩም  ሰለዝኾነ  ናብ ዞባታት  ኪዱ” ዝብል   ትእዛዝ ከምዘውረዱ ተፈሊጡ።

    እቲ  ነቶም ተጋደልቲ ህወሓት ነበር ንምጥባር ናብ ዞባታት ናይ ዝወረደ ደብዳበ ትሕዝቶ’ ኣንቱም ጀጋኑ ተጋደልቲ ንመሰል  ህዝቢ ኢልኩም ዝተጋደልኩምን፤ ብትብዓት ጀግንነት እናፈፀምኩም ዋላኳ እንተፀናሕኩምን፤  ውድብ ግን ሰኣን ዓቕምን ብቕዓትን ብዘይ ዓስቢ ከምዝደርበየኩም ዝፍለጥ ኮይኑ ሕዚ ግን ክኽሕሰኩም ስለዝተበገሰ ክትትሓባበርዎ ንሓትት” ዝብል ከምዝኾነ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
     እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ እዞም  ኣብ ሑሉፍ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ን17 ዓመት ሙሉእ ተቓሊሶም   ኣብ 1984ን 1985ን ዓ/ም ብዘይ ዓስቢ ዝተደረበዩ ተጋደልቲ ብወገኖም ከም ዝገለፅዎ”  ን23 ዓመት ሙሉእ  ቆላሕ ዝብለና ሲኢና ብድኽነትን ሕማምን ክንሳቐ  ምፅናሕና እናፈለጥኩም ሕዚ ግን  ከም ልማድኩም ንዓና ንምዕሻው ናይ ጡረታ መሰልኩም ክሕለወልኩም ‘ዩ ምባልኩም  ሓይሊ ሰብ  ንምሓዝን   ዕድመ ስልጣንኩም  ንምንዋሕን   ዝመሃዝኩሞ   ወዲት እዩ’’ ክብሉ ምላሽ ከምዝሃብሉ ተገሊፁ።