Thursday, May 8, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ናይ ገጠር ወረዳታትን ሓደ ናይ ከተማ ምምሕዳርን ብስርዓት ኢህወዴግ ብዛዕባ ምርጫ ኣመልኪቱ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓሳት ብህዝቢ እተን ከባቢታት ተቓውሞ የጋጥም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



  ኣብ ዞባ ኣዊ ካብ 18 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ዝተካየደ ናይ ሸሞንተ መዓልትታት ጎስጓሳዊ ኣኼባ ካብ ክልልን ዞባን ዝተዋፅኡ ኣመራርሓ ኩለመዳያዊ ናይ ምርጫ ጎስጓስ ይካይዱ እኳ እንተሃለዉ፣ህዝቢ እተን ወረዳታት ግና መሰረተ ልምዓት ከየማልአ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዳኣ’ምበር ንህዝቢ ሓሲቡ ኣይኮነን ዝብል ተቓውሞ የስምዕ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

    ኣብ ዞባ ኣዊ ዝርከባ ወረዳታት ፅርግያታተን ፅሬት ዘይብሉ ምኳኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ካብ ኮሶበር ናብ ጃዊ፤ ካብ ከሳ ናብ ኣየሁ፤ካብ ቲሊሊ ናብ ሰከላ፤ ዝሓልፍ ፅርግያ ፅሬት ስለ ዘየብሉ ኣብ ክራማት ህዝቢ እተን ከባቢታት ከም ዝሽግር ተፈሊጡ።

  እዚ ከምዚ እንዳሃለወ ዝስተ ፁሩይ ማይ ዘይብለን ናይ ጉድጓድ ማይዝጥቀማን ህዝበን ንሕማም ዝተቓልዐን ወረዳታትድማ ጃዊ፤ዚገም፤ኣንከሻን፤እንጂባራን ከምዝኾና የረድኡ።