ኣብ ከተማ ሸረ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ድህንነት
ህዝቢ ብዝዓጠቕዎ ብረት ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ሓደጋታት የብፅሕሉ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ
ካብ’ቶም ብዝሓዞ ብረት ተኹሱ ሓደጋ
ዘዉረደ ሓለቓ ዓሰርተ ተስፋይ ዝተባህለ እንትኾን ንሱ ኣብ ወረዳ
ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ቤት ፍርዲ ተመዲቡ ክሰርሕ ዝፀንሐ ኣባል ፖሊስ እታ ከተማ ምዃኑ ተገሊፁ።
ሓለቓ ዓሰርተ ተስፋይ ብዝዓጠቖ ብረት ኣብ ቀበሌ 03 መንደር 3 እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ብምትኳስ
2ተ ሰባት እንተቑስል ንኣዶ 3ተ
ደቁ ሰበይቱ ድማ ንጉሆ ሰዓት 1፣00 ብኽልተ ጥይት ተኹሱ ከምዝቐተላ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ በዚ
ዝፍፀም ዘሎ ዘስካሕክሕ ፍፃመ ዝተሰምዖም ነበርቲ ከተማ ሽረ
እንዳሰላሰ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓትን መጋበሪያታቱን መረረቶም ይገልፁ ምህላም ተፈሊጡ።