Thursday, May 8, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣባላት ፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብዝሓዝዎ ብረት ተጠቂሞም ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ነበርቲ እታ ከተማ ሓደጋታት የውርዱ ምህላዎም ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ኣብ ከተማ ሸረ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ድህንነት ህዝቢ ብዝዓጠቕዎ ብረት ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ሓደጋታት የብፅሕሉ ምህላዎም  ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  ካብ’ቶም  ብዝሓዞ ብረት  ተኹሱ  ሓደጋ ዘዉረደ  ሓለቓ ዓሰርተ ተስፋይ ዝተባህለ እንትኾን ንሱ ኣብ ወረዳ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ቤት  ፍርዲ  ተመዲቡ ክሰርሕ ዝፀንሐ ኣባል ፖሊስ እታ ከተማ ምዃኑ ተገሊፁ።

    ሓለቓ ዓሰርተ ተስፋይ  ብዝዓጠቖ ብረት ኣብ ቀበሌ 03  መንደር 3 እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ  ብምትኳስ   2 ሰባት  እንተቑስል ንኣዶ 3ደቁ ሰበይቱ  ድማ ንጉሆ ሰዓት 1፣00 ብኽልተ ጥይት ተኹሱ ከምዝቐተላ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ በዚ ዝፍፀም ዘሎ  ዘስካሕክሕ ፍፃመ ዝተሰምዖም ነበርቲ ከተማ ሽረ እንዳሰላሰ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓትን መጋበሪያታቱን መረረቶም ይገልፁ ምህላም ተፈሊጡ።