Monday, December 29, 2014

ኣብ መንጎ ነበርቲ ክልል ትግራይን ክልል ኣምሓራን ብሰንኪ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣምባገነን ከፋፋላይ ስርዓት ኢህወዴግ ብዝተፈጠረ ግጭት ብዙሓት ወገናትና ግዳይ ሞትን ኣካል ምጉዳልን ይኾኑ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



   ከም ሓበሬታ ምጭታትና እቲ  ካብ 15 ናብ 16 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ዘዉግሕ ለይቲ ኣብ መንጎ  ነበርቲ ክልል ሰለስተን ክልል ሓደን እቲ ቅድም ኢሉ ከባእስ ዝፀንሐ ጉዳይ መሬት ዝመቀሊኡ ኣብ ዝተልዓለ ግጭት ምልሻታት ክልትኡ ክልል ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ብዙሕ ህዝቢ ከም ዝሞተን ኣካሉ ከምዝጎደለን ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  ነቲ ዝተፈጥረ ተኹሲ ክህድኡ ናብቲ ከባቢ ዝተለኣኹ ፌዴራል ፖሊስ እንተኾኑ‘ዉን ቁም ነገር ክሰርሑ ከም ዘይከኣሉ ተፈሊጡ።
   እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እዚ ዘሰሓሕብ ዘሎ  መሬት  ንኽልቲኦም ክልላት ካብ ዘጋጭዎም  ነዊሕ እዋን  ከም ዘቑፀረ  ድሕሪ ምግላፅ  እቲ ስርዓት ነዚ ኩነታት መዕለቢ ክገብረሉ ዘይከኣለ  ከም መሳርሒ ዕድመ ስልጣኑ ክጥቀመሉ ባዕሉ ዝፈጠሮ ናይ ምንቛት ልሙድ  ውዲቱ ከም ዝኾነ ብዙሓት ተዓዘብቲ ሪኢቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ኣመልኪቱ።
   ብተመሳሳሊ እቲ ከም መፍትሒ ተባሂሉ በቶም ናይ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ብዝኾኑ ላዕለዎት ካደረታት ኢህወዴግ ኪሮስ ቢተው ሓላፊ ገጠር ልምዓት፤ ዘኣማኒኤል ለገሰ (ወዲሻንበል)ሓላፊ ፖሊስ ኮሚሽንን ሓድሽ ዘነበ ሓላፊ ፀጥታን ካብ ክልል ኣምሓራ ድማ ዶክተር ያብባል ያረጋል ሓላፊ ገጠር ልምዓት፤ ይሳቅ ኣያሌው ፀጥታ ሓላፊ፤ መሓመድ ከድር ተወካሊ ፖሊስ ኮሚሽንን ካድረታት ዝቐረበ ውሳነ ዘይተሓጎሰ ህዝቢ ክልቲኡ ክልላት ንስኻትኩም ጠሪርኩም ክትዓርቁና ዘይኮንኩምስ ባዕልና ንባዕልና ክተቃትሉና ኢኹም መፂኹም፥ ዋላ እናተቓተልና ክንነብር ኢና‘ምበር ዉሳነኹም ኣይንቕበሎን ምባሎም  ነዚ ስዒቡ ከኣ ኪሮስ ቢተውን ዶክተር ያብባልን ድማ በሉ ውሳነና ኣይንቕበልን ካብ በልኩም እዚ መሬት ካብ ሕዚ ንደሓር ካብ ክልቲኡ ክልል ወፃኢ ኮይኑ ብፌደራል ክመሓደር ተወሲኑ ኣሎ ምስ በልዎ  እቲ ህዝቢ ብወገኑ ነቲ ውሳነ ከም ዝነፀጎ  ኣብ ናይ ዝሓለፈ ቅንያት ናይ ዜና ፈነወና ምሕባርና ይዝከር።
   ካብ 4 ክሳብ 5 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ናብ’ቲ ዘሰሓሕብ ቦታ ከይዶም ዋላ’ኳ እንተፀንሑ ብዘይ ሓደ ፍረ ከም ዝተበተኑ ተፈሊጡ።