Saturday, December 27, 2014

ኣብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ዝርከቡ ካድረታት ኣብ መንጎ ሚልሻታት ተኣማንን ዘይተኣማንን ብዝብል ከፋፋላይ ኣካይድ እቲ ስርዓት ዕጡቋት ነንባዕሉም ክጋጨው ይገብሩ ምህላዎም ምንጭታትና ካብ’ታ ወረዳ ሓቢሮም።



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ዝርከቡ ኣመሓደርቲን ካድረታትን ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ምስ ምቅራብ ለካቲት 11 ተኣሳሲሩ ኣብ ዓብዪ ሸበድበድ ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነዚ ንምትግባር ‘ዉን ኣብ ጣብያ ምድረ ፈላሲ መን  ቅድሚት ወፊሩ ይሕሉ መን ከ ብድሕሪት ይተርፍ ንምፍላይ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ኣብ መንጎ ነበርቲ ቁሸታት ዓዲ ኣስገዶምን ዓዲ ሓመዶን ዝኾኑ ዕጡቛት ዘይምስምዕማዕ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ተገሊፁ።
   ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ወሲኾም ከም ዝገለፅዎ ልኡዃት ካድረታት እቲ ወረዳ ዝኾኑ ምልሻ ዓዲ ኣስገዶም ርካሽ ጥቕማ ጥቕሚ ንምርካብ ኣብ ዓዲ ሓመዶ ንዘለዉ ምልሻ ስሩዓት ዉድብ ዴምህት ስለ ዝኾኑ ኣይንኣምኖምን ዕጥቆም ከዉርዱ ኣለዎም ክብሉ ምስ ገምገምዎም ዕጡቛት ዓዲ ሓመዶ ዕጥቅና ዝገፈና ሰብኣይ ይምፃእ ብምባል ነቲ ኣኼባ ረጊፆም ብምካዶም እቲ ኣኼባ ብዘይፍረ ከም ዝተበተነ ነቲ ባእሲ ንምህዳእ ካብ ወረዳ ዝተለኣኹ ጥላሁንን ልኡልን ዝተባህሉ ካድረታት ህወሓት-ኢህወደግ ክልተ ግዜ ፈቲኖም ክኾነሎም ከም ዘይከኣለን እቲ ባእሲ ተጋዲዱ ይቕፅል ምህላዉን ምንጭታትና ዝላኣኽዎ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
  በቲ ዝቕፅል ዘሎ ባእሲ ሓደ ታፈረ መለስ ዝብሃለ ዕጡቕ ነባሪ ዓዲ ሓመዶ ዕጥቁ ከም ዝገፈፍዎን ኣብቲ ካባቢ ዝርከቡ ወተሃደራት ድማ ንዓዲ ሓመዶ ገዲፎም ኣብ ዓዲ ኣስገዶም ዝርከቡ ምልሻ ሒዞም ንቕድሚት ይወፍሩ ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብታ ወረዳ ነበርቲ ጣብያ ዕጉብ ቁሸት ታብር ዝኾኑ ስለስተ ኣሕዋት ስሩዓት ዉድብ ዴምህት ኢኹም ብዝብል ኣሲሮም የሳቕይዎም ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ድማ፥ ኣልጋ ግርማይ ወልየስ፤ ኣፈወርቅ ግርማይ ወልየስን ብሃለቃ ዝፍለጥ ሓዎምን እንትኾኑ እቲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ወገናት ፀረ ህዝቢ ተግባራት ብዝበኣሰ ይቕፅል ምህላዉ ተገሊፁ።