Monday, December 29, 2014

ግዕዝይና ዝመለለይኡ ምሕደራ ኢህወዴግ ዘንፀርፅሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብድሌቶም ስረሖም ይለቁ ምህላዎም ተገሊፁ።



ብግዕዝይናና ዝጠልቀየ ምሕደራ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ዝኽተሎ ዘሎ ኣሰራርሓ ዘሰገኦም ሓያሎ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ስረሖም ይለቁ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ’ቶም ስረሖም ዝለቁ ዘለዉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ  ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዓዲ-ግራት  ፋይናንስ  ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀንሐ ኣይተ ፍፁምን ከምኡ’ዉን ኣይተ ኤልያስ ሓላፊ ስቪል ሰርቪስ ካልኦትን ዝርከብዎም ከም ዝኾኑ  ተፈሊጡ።
   እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እዞም ዜጋታት ካብ ስርሖም ክለቁ ካብ ዝገድዶም ዘሎ ምኽንያት ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብቐጥታ ይኹን ብዝተዘዋዋሪ ብዝሕብዎ ስርዓት ዘይተኸተለ ዘንባዕ ትእዛዝ ንዝፍፀም ግዕዙይ ምሕደራ ብታሕተዎት ሰራሕተኛታት ከምዝተፈፀመ እናምሰሉ ኣብ ዘካይድዎ ኣኼባን ገምጋምን ነቲ ሰራሕተኛ የበሳብሱ ብምህላዎምን ብዘይዋዓሎ  እናተጠቀነ ክእሰርን ክዓድን ምስ ተዓዘቡ ዕጫ ናታቶም ኸይበፅሖም ዝወሰድዎ ዘለዉ ስጉምቲ ምዃኑ ተፈሊጡ።