Saturday, December 27, 2014

ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝነብር ህዝቢ ብስእነት ፅሩይ ማይ ዕለታዊ ህይወቱ ኣብ ምምራሕ ተፀገሙ ከም ዝርከብ ምንጭታትና ከብታ ከተማ ሓቢሮም።




   ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ዝነብር መላእ ሕብረተሰብ ኣጋጢምዎ ዘሎ ስእነት ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣብ ስልጣን ብዝርከብ ስርዓት ፍታሕ ክግበረሉ ኣብ ዝሓተተሉ ግዜ ብወገን ኣመሓደርቲ እታ ከተማ ድማ መንግስቲ ፀገም ፅሩይ ማይ ከም ዘሎ ይፈልጥ እዃ እንተኾነ ብባጀት መንግስቲ ማይ ከእቱ መደብ የብሉን ሕዚ እዉን ፅሩይ ማይ ክትረኽቡ ተደሊኹም ኣብ ሕድሕድ መንደር 40 ሽሕ ብር ኣዋፂእዎ ዘሎ እኹል ኣይኮነን ብዝብል ሓደ ሰብ ካብ 200 ብር ንላዕሊ ከዋፅእ ኣለዎ ዝብል ብኣስገዳድ የኽፍልዎ ምህላዎም ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ገሊፆም።

  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ እቲ ነባሪ ህዝቢ ብሓባር ብዉልቅን ንመስርሒ ፅሩይ ማይ ዝተሓተቶ ገንዘብ ኣዋፂኡ እናሃለወ እንደገና ኩሉ ሰብ ብነፃ ጉልበት መስመር ማይ መዘርግሒ ጉድጓድ ኳዓት እናበሉ ነቲ ገንዘብ ንማሽንን ንኣበልን እናበሉ ንመኻዕበቲ ጅቡኦም ክገብርዎ ምእንታን ነቲ ድኻ ህዝቢ ኣብ መዳበ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ወፊሩ ብኣስገዳድ ብነፃ ይሰርሕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።