Saturday, December 27, 2014

ኣብ ከተማ ሸራሮ ኣብ ኣንኣሽቱ ናይ ሸቐጥ ስራሕቲ ተዋፊሮም ክሰርሑ ንዝፀንሑ ዜጋታት፣ ኣምሓደርቲ እታ ከተማ ንብረቶም ኣሕዲጎም ከም ዘባረርዎም ተገሊፁ።



ብመሰረት ካብታ ከተማ ዝበፀሐና ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ሸራሮ ኣብ ንግዳዊ ስራሕቲ ተዋፊሮም ሂወቶም ዝመርሑ ወገናት ብፍላይ ክዳንን ካልኦት ሸቐጥትን ሒዞም እናዞሩ ዝሸጡ ታሕትዎት ነጋዶ በቲ ስርዓት ተገዲዶም ልዕሊ ዓቐን ግብሪ ዝኽፍልዎ ከይኣኽሎም ሪሂፆም ብዘፍረይዎ ገንዘብ ዝዓድግዎ ናይ ሸቐጥ ንብረቶም ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ወሪሶም ካብ’ታ ከተማ ከም ዘባረርዎም ተፈሊጡ።
   ብተማሳሳሊ ኣይተ ተከስተ ዝተብሃለ ወናኒ ትካል መሳርሒ ህንፃ ነባሪ እታ ከተማ ዝኾነ ነጋዳይ ናይ 5 ወርሒ ግብሪ 101 ሽሕ ብር ከፈል ተባሂሉ ስለ ዝተገደደ ክንድ’ዚ ዝኣክል ክኸፍል ዓቕሚ የብለይን  ኣብ ዝበለሉ እዋን ካድረታት እቲ ስርዓት ብኣስገዳድ ትኸፍል ኢሎም ስለ ዘሸገርዎ ህዝቢ እታ ከተማ ድማ እዚ ትብልዎ ዘለኹም ግብሪ ዘይኮነስ ወራር እዩ ብምባል ነቲ ተግባር ከም ዝኾነንዎ ንምፍላጥ ተኻእሉ።