Saturday, December 27, 2014

ኣብ ሓለዋ ኬላታት ተዋፊሮም ዝርከቡ ዕጡቓት ጉጅለ ኢህወደግ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ወገናት ናይ ቕትለት ስጉምቲ ይወስዱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ብህዝባዊ ተቓዉሞ ተሳናቢዱ ኣብ ራዕዲ ወዲቑ ዝርከብ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወደግ በብከባቢኡ ዝርከብ ፅርግያታት ዕጡቛት ኣባላቱ ኣዋፊሩ ዜጋታት የሳቒ ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ በዚ መሰረት ድማ ኣብ መሳገሪ ድልድል ሸራሮ ዓዲ ጎሹ ዝርከቡ ሓለውቲ ኬላ ዝኾኑ ልኡዃቱ ናይቲ ስርዓት ሓደ ንግዚኡ ሽሙ ዘይተነፀረ መንእሰይ መንነት ካርድ ኣይሓዝካን ኢሎም ተሳፊሩላ ክብ ዝነበረት  መኪና ኣዉሪዶም ብምትራፍ ለይቲ ክሃድም ፈቲኑ ብዝብል ምኽኒት ብጥይት ከም ዝወቕዕዎ ተገሊፁ።
   እቲ ብዕጡቋት ኣምባገነን ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ከተማ ሸራሮ ናብ ዝርከብ ሕክምና ምስ ተወሰደ እቲ መውጋእቲ ከቢድ ሰለ ዝነበረ ሂወቱ ሹዑ ንሹዑ ከም ዝሓለፈ ድሕሪ ምጥቃስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ብዘይመንነት ካርድ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ገበን ኮይኑ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወስኹ ኣረዲኡ።