Sunday, May 17, 2015

ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ፅሕፈት ንዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ብገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝተገብረለን ናይ ምረፁና ጎስጓስ ከም ዝነፀግኦ ተሓቢሩ።



ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘማላኽቶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ክፍለ ከተማታት ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ናይ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ህፃናትን ሊግ ሓላፍን ጉዳይ ዉደባ ሓለፍትን ኣኪቦም ኣብ ዝገበርዎ ናይ መረፁና ጎስጕስ ተቐባልነት ከም ዝሰኣኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብቶም ብተቓዉሞ ዝቐረቡ ሓሳባት ድማ ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ኣብ ወረቐት ድኣ’ምበር ኣብ ተግባር ዝሰርሖ የለን፤ መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ተረጊፁ ዝብልን ካልእን ብምቕራብ ኣብ ልዕሊ ገዛኢ መንግስቲ ዘለወን ፅልኣት ከም ዘንፀባረቓ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
   እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ኣብ ከተማታትና ዝብተኑ ናይ ተቓወምቲ ዉድባት ፓምፍሌታት ብደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን እዮም ዝብል ይዝረብ ብምህላው ናይ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ሚኒስተር ዘነቡ ታደሰ ካብዚ ተግባር ተዓቀቡ ዝብል መፈራርሒ ትእዛዝ ከም ዘውረደት ንምፍላጥ ተኻኢሉ።