Sunday, May 17, 2015

ኣብዚ ሰሙን እዚ ንፀረ ህዝቢ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብምቅዋም ብርክት ዝበሉ ዜጋታትና ናብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ከም ዝተፀምበሩ ሪፖርተርና ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ሓቢሩ።



   ካብቶም ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ዝተፀምበሩ መናእሰይ ንገሊኦም ንምጥቃስ፦
1. ጎዳዳይ ተስፋይ ግርማይ ካብ ክልል ኣምሓራ፤ ዞባ ሰሜን ጎንደር፤ ወረዳ ደባርቅ፤ ቀበሌ ኣባይ ሰቆር፤ 
2. ዳኒኤል ሰለለው ገብረኪዳን ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፤ ወረዳ ሰቲት ሑመራ፤ ቀበሌ 02 ቁሸት 02፤
3. ክብሮም ኣረጋይ ገብረዋህድ ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፤ ወረዳ ሰቲት ሑመራ፤ ቀበሌ 03 ቁሸት 05፤
4. ማሙሽ ኣሸናፊ ቸኮል፤ ካብ ክልል ኣምሓራ፤ ዞባ ጎንደር፤ ወረዳ ቀራቅር፤ ቀበሌ ስፍራ ለቃ ቁሸት ስፍራ-ለቃ፤
5. ገብርሄት ነጋ ገረንችኤል፤ ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፤ ወረዳ ዓዲ ረመፅ፤ ጣብያ ሽሬላ ቁሸት ዓዲ ጢኖ፤
6. ክብሮም ካሕሳይ ገብረሃንስን ባህረ ዓማር ጋሼን፤ ክልቲኦም  ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣቢያ ዓዲ ጎሹ ቁሸት ዓዲ ጎሹ፤
7. ኣታሉ ተስፋ ኣሰፋ ካብ ክልል ኣምሓራ፤ ዞባ ጎንደር፤ ወረዳ ቀራቅር፤ ጣብያ ሽኒ፤
8. መንገሻ ሓጎስ ተጋደየ ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፤ ወረዳ ፀለምቲ፤ ጣብያ ሰፊዃ፤
9. መኮነን ኣዱኛ ኪዴ ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፤ ወረዳ ፀለምቲ፤ ጣብያ እንዳ መድሃኔ ኣለም ቁሸት ዓዲ ግርማይ፤
10.     ትርሓስ ድራር ብርሃነ ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፤ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ፤ ጣብያ ኣደመይቲ ቁሸት ምልፃይ፤
11.     በሪሁ ወልዳይ ገብሩ ካብ ዞባ ማእኸል ትግራይ፤ ወረዳ ወርዒ ለኸ፤ ጣብያ ወርዒ ቁሸት ዓዲስመ-ኣስራትን ካልኦትን ዝርከብዎም ኮይኖም
    እቶም መናእሰይ ምስ ዴምህት ተሰሊፎም ንኽቃለሱ ዘገደዶም ምኽንያት እንትገልፁ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ብዘሎ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ዝፈጠሮ ዓይነ ምራኑ ዝጠፍኦ ድኽነት ብርክት ዝበላ ደቂ ኣነስትዮ ዝርከብኦም መናእሰይ ዓዶም ገዲፎም እግሮም ናብ ዝመርሖም ይስደዱ ከም ዘለው ድሕሪ ምግላፅ፣ ንባዕሎም ድማ ናብ ስደት ካብ ምኻድ ዕጥቆም ሸጥ ኣቢሎም ብምቅላስ እቲ መንቀርሳ ዕብየትን ልምዓትን ኮይኑ ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ምድምሳስ እዋናዊ መማረፂ ምዃኑ ተረድኦም ናብ ዴምህት ክፅበሩ ከም ዝኸኣሉ ገሊፆም።
   ብፍላይ መንእሰይ ኣታሉ ተስፋ ዝሃቦ ሓሳብ ሓደ ዜጋ ኣብ ሓደ ቦታ ሽዱሽተ ወርሒ እንተተቐሚጡ መንነት ወረቐት ይወሃቦ ዝብል ሕጊ እቲ ስርዓት ይዛረበሉ እኳ እንተኾነ ንሕና ግን ኣብ እድሪስ ዝተብሃለ ቦታ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ተቐሚጥና መንነት ወረቐት ተኸሊእና፤ ኣኼባ ምስ ነባሪ ህዝቢ ከይንእከብ ተኸልኪልና፤ ከም ፀላኢ እናተርኣና ተነፂልና ክንነብር ፀኒሕና ክብል ምግላፁ ሪፖርተርና ካብ ክፍሊ ታዕሊም ፀብፂቡ።