ስርዓት
ወያነ ኢህወዴግ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ናይ ሽኮር ፋብሪካ ከስፋሕፍሕ እየ ብዝብል ካብ ዝጀመረን ሓንቲ ኣብ ቁዱስ ስፍራ ገዳም ዋልድባ
ክትስራሕ ንዝተበሃለት ግድብ ክሃንፅ ጀሚሩ ዝነበር ካምፓኒ። ብሰንኪ ግዕዙይ ምሕደራ እቲ ስርዓትን ሕፅረት ባጀትን ስለ ዘጋጠሞ
ስርሑ ጠጠዉ ኣቢሉ መሳርሒ ንብረቱ የግዕዝ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
ብተወሳኺ
ንግድብ ዋልድባ መስርሒ ተባሂሉ ዝተመደበ ብሚልዮናት ዝቑፀር ገንዘብ። ብሰበ ስልጣን እቲ ኮርፐሬሽንን ካልኦት በብደረጃኡ ዘለዉ
ካድረታትን ሽመኛታትን ናበይ ከም ዘእተዉዎ ከም ዘይፍለጥ ተሓቢሩ፣
እዚ
ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ከባቢ ቅዱስ ስፍራ ገዳም ዋልድባ ኣብ ዝርከብ ናይ ተፈጥሮ ኣግራባት ዝተሸፈነ ቦታ። ንማሕበር ተጋደልቲ
ነበር ህወሓት ክፀርጉወን ፈሓም እናፍሓሙ ክጥቀምሉ ከም ዝተዓደለ ካብ’ቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣቃሊዑ፣
እቶም
ብማሕበር ዝተወደቡ ተጋደልቲ ነበር ካብ ሃገረ ጀርመን ብዘእተዉዎ ማሽን እናተጠቐሙ ነቲ ንዘመናት ተዓቂቡ ዝፀንሐ ናይ ተፈጥሮ ኣግራብ
የብርስዎ ብምህላዎም ህዝቢ እቲ ከባቢ ዓብይ ሻቑሎትፈጢርሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣
ብተወሳኺ
ሰበ ስልጣን ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ነቶም ፈሓም ከፍሕሙ ዝፈቐደሎም ተጋደልቲ ነበር። ኣብ ደስ ዝበሎም ቦታ ከይዶም ብ280
ብር
ክሸጡን ካብ ሓደ ክሻ 25 ብር እናተቖረፀ ከኣ ኣታዊኡ ንመን ምዃኑ ዘይፍለጥ ገንዘብ ይእከብ ከም ዘሎ ነቲ ጉዳይ ቕርበት ዘለዎም
ወገናት ኣረዲኦም፣ስርዓት ወያነ ኣብ ዝሓለፍ እዋን ነዚ ትካል ኣብዚ ቅዱስ ስፍራ ክትክል ኣብ ዝጀመረሉ ዓብይ ተቓውሞ ካብ መላእ
ህዝቢ ኢትዮጵያ ክጋጥሞ ከም ዝፀንሐ ዝዝከር ‘ዩ፣