Thursday, September 18, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ሳንጃ ብቀፃሊ ቀታሊኦም ብዘይ ተፈለጡ ሰባት ናይ ብርክት ዝበለ ወገናት ሂወት ይጠፍእ ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።



ካብ’ታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ብ2 ጳጉሜን 2006 ዓ/ም ኣብ ሓደ ለይቲ ጥራሕ ብርሃኔ ደምብለው ዝተብሃለ ነጋዳይ፤ ኣባቡ ክንድያ፤ ያለው ኣይጠገብ ዝተብሃሉ ዜጋታት ቀተልቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ተቀቲሎም ከም ዝሓደሩ ተፈሊጡ።

እዞም ግዳያት ከም ኣብነት ንምጥቃስ ድኣ እምበር ኣብታ ከተማ ብቀፃሊ ብርክት ዝበለ ሂወት ሰባት ከም ዝጠፍእ ገለፀ እቲ ሓበሬታ እዚ ድማ እቲ ገዛኢ ዉድብ ንድሕነት ዜጋታት ትኹረት ገይሩ ዘይሰርሓሉ ብምዃኑ ከም ዉፅኢቱ ከዓ ኣብቲ ከባቢ ዘለው ኣኽበርቲ ፀጥታ ክንዲዚ ዝኣክል ህይወት ሰብ እናጠፈአ ብስቕታ ይዕዘብዎ ከም ዘለዉ እቶም ምንጭታትና ኣረዲኦም።