Monday, August 25, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ሓረስቶት ኣብ ሕርሻ መሬቶም ዝዘርእዎ ሰሊጥ ብ1 ነሓሰ 2006 ዓ.ም ሰራዊት ሱዳን ገልቢጦም ምሸላ ከም ዝዘርእዎ ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ሓቢሮም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ በረኸት ብሕርሻ ካብ ዝመሓደሩ ሓደ ዝኾነ ተስፋይ ገብረዝጊኣብሄር ዝተበሃለ ሓረስታይ ብሕጋዊ ኣብ ዝተወሃቦ ነባር ሕርሻ መሬቱ ዝዘርኦ ሰሊጥ ሰራዊት ሱዳን ናብቲ ከባቢ ብምምፃእ ንምንታይ ኣብዚ እኽሊ ትዘርእ ክብሉ ብምፍርራሕ ነቲ ዝበቖለ ሰሊጥ ብ1 ነሓሰ 2006 ዓ.ም ምሉእ ብምሉእ ገልቢጦም ምሸላ ከም ዝዘርእዎ ኣፍሊጡ።
እቲ ብዙሕ ፋይናንሳዊ ወፃኢ ብምግባር ዘሪኡ ዘብቆሎ ሰሊጥ ብሰራዊት ሱዳን ተገልቢጡ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ብምዃኑን እቲ ሰፊሕ ሕርሻ መሬቱ ተወሪሩ ስለ ዝተወሰደን ካብ በረኸት ጠሪዑ ዝወሰዶም ምልሻ ምስቶም ሰራዊት ሱዳን ብዝተወለዐ ግጭት ኣምሳሉ ዝተበሃለ ሓላፊ ናይ’ቶም ምልሻ ምስ ሓደ ስቪል ሰራሕተኛ ብከቢድ ዝቖሰሉ እንተኾኑ ኣብቲ ከባቢ ገና ሕዚ’ዉን ሓያል ወጥሪ ሰፊኑ ከም ዘሎ ኣገንዚቡ።

ካብቲ ዞባ እንተይ ወፃእና ኣብ ከበቢ ዓዲ ጎሹ ዝርከቡ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ሓረስቶት ንኣስታት 15 ዓመታት ዝሓረስዎ መሬቶም ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣይተ ዮዉሃንስ ነዚ ከባቢ ሕዛእቲ እናሃለወ መን ሕረስዎ ኢልኩም ብምባል ነቲ በቚሉ ዝተፀሃየ ሰሊጦም መድሓኒት ነስኒሱ ክጠፍእ ከም ዝገብሮ ተሓቢሩ።
እዞም ልዕሊ 300 ዝኾኑ ሓረስቶት ካብ መጀመርይኡ ገንዘብናን ጉልበትናን ከይሲርና ንምንታይ ጠጠዉ ኣብሉ ዘይተበሃልና ቀፃሊ ህይወትና ኸ ብምንታይ ክንመርሕ ኢና ክብሉ ጥርዓኖም እኳ እንተቕረቡ ሰማዒ ከም ዘይረኸቡ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣረዲኡ።